ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ.)፡ “ናጽነት ብርሃን፡ ስንክልና ከኣ ባና” ብዝብል ቴማ፡ ብ25ን 26ን ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ዘቃነዖ 4ይ ጉባኤኡ፡ ዝተመሓየሸ ቅዋም ማሕበር ብምጽዳቕን፡ ውሳኔታትን ለበዋታትን ብምሕላፍን ተዛዚሙ።

ጸዲቑ ዘሎ ዝተመሓየሸ ቅዋም ማሕበር፡ ኣብ ሓሙሽተ ምዕራፋት ዝጠቓለሉ 41 ዓንቀጻት ዝሓዘ እዩ።

ብዘይካ’ዚ ጉባኤኛታት፡ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ነቲ ማሕበር ዘካይድ፡ ብ21 ኣባላት ዝቘመ ሓድሽ ማእከላይ ባይቶ መሪጾም።

ጉባኤ ካብ ዘመሓላለፎ ለበዋታት፡ ማሕበር ኩሉ-መዳያዊ ደገፍ ንኣባላቱ ክገብር፡ ውዳቤታቱ ብምሕያል ንዘለዎ ጸጋታት ብዝግባእ ክምዝምዝ፡ ቁጠባዊ ዓቕሚ ማሕበርን ኣባላትን ዝጉልብተሉ ንጥፈታት ከደንፍዕ፡ ማሕበር ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኰሰ መደባት ክሕንጽጽን ከሰላስልን ዝብሉ ነጥብታት ይርከቦ።

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ምዕሩይ ዕድላትን መሰላትን ሓርበኛታት ስንኲላን ንምርግጋጽን፡ መጻኢ ህይወቶምን መነባብሮኦምን ንምውሓስን ዓሊሙ፡ ብሰናይ ድሌትን ተበግሶን መንግስቲ ኤርትራ – ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1993 ዝቘመ ናጻን ዘይመንግስታውን ማሕበር እዩ።

Categories