ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብግብሪ ዝተሰነየ ሞያዊ ስልጠናታት ክቐስሙ ዝጸንሑ 90 መንእሰያት ተመሪቖም፣ ወረቐት ምስክር ተቐቢሎም።

እቶም 52 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም መንእሰያት ተመሃሮ፡ 27 ብቐዳማይ ረዲኤት፡ 8 ብቴክኖሎጂ ሓበሬታ፡ 55 ድማ ብፖለቲካዊ ትምህርቲ እዮም ሰልጢኖም።

ወለዲ፡ ተመረቕቲ፡ ሞያዊ ዓቕሚ መንእሰያት ንምሕያል ንዝሰላሰል ዘሎ መደባት ብምንኣድ፡ ቀጻልነት ክህልዎ በብደረጃኡ ዝዓቢ ክኸውን ተላብዮም።

Categories