ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 26 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ ብምክትል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና ሞሓመድ ዝተመርሐን፡ ሓለፍቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃን ዝሓቘፈን ላዕለዋይ ልኡኽ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እቲ ምብጻሕ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን ዘሎ ጽምዶን ምትሕግጋዝን እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ ዘርኢ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንተመኲሮ ኤርትራ ኣብ ምምጻእ ናጽነትን ህንጸት ሃገርን ዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።
ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኤርትራ ኣብ መዳይ ልምዓት ተርእዮ ዘላ ገስጋስ፡ ከምኡ’ውን ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋጽ ዝትግበር ዘሎ ዕማማትን ተራ ደቂኣንስትዮን፡ ከምኡ’ውን ኣብ’ዚ ኣፍሪቃ ካብ ዓለማዊ ምውሳእ ተገሊላ፡ ተጠቃሚት ሰብኣውን ባህርያውን ጸጋታታ ምዃን ስኢናትሉ ዘላ እዋን፡ ነዚ ኩነታት ንምቕያር ክውሰዱ ብዛዕባ ዝኽእሉ ስጉምትታት ብዕምቈት ተዘሪቡሎም።
ሚስ ኣሚና ሞሓመድ፡ ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዚያ ሃሽም፡ ሚኒስተር ሃገራዊ ልምዓት ዶክተር ገርጊስ ተኽለሚካኤል፡ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወ/ሮ ልኡል ገብረኣብ፡ ከምኡ’ውን ኣደ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል እውን፡ ኣብ ገስጋስ መደባት ልምዓት፡ ምሕያል ዓቕሚታት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ዞባዊ ውህደትን ሽርክነታዊ ዝምድና ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን ዘተኰረ ርክባት ኣካዪዳ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ምስ ዝነጥፋ ዕዉታት ኤርትራውያን መንእሰያት ተራኺባ፡ ኣብ ኣገዳስነት ምዕዛዝ ተሳትፎን ምምዕባል ዓቕሚታትን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልምዓት ሃገር ሓሳብ ተለዋዊጣ።
ላዕለዋይ ልኡኽ ው.ሕ.ሃ፡ ኣብ’ዚ “ዞባዊ ውህደትን ምሕያል ቊጠባዊ ዓቕሚ ደቂኣንስትዮን” ብዝብል ቴማ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ዑደት፡ ብ25 ጥቅምቲ ብሚኒስተር ኣሚና ኑርሕሴን ተሰንዩ፡ ኣብ መስርሕ ህንጸት ዝርከብ ምስ ኢትዮጵያ ዘተኣሳስር ስትራተጂካዊ ጽርግያ ነፋሲት-ደቀምሓረ-ሰርሓ፡ ዲጋ ምስላምን ኣብ’ቲ ከባቢ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ሕርሻዊ ልምዓትን ፕሮጀክት ጸሓያዊ ጸዓትን ተዓዚቡን ብዝምልከቶም ክኢላታት መግለጺ ተዋሂብዎን።
ሚስ ኣሚና ሞሓመድ ምስ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መሕተት፡ ኤርትራ ብውሽጣዊ ዓቕማ ተሰላስሎ ዘላ መደባት ልምዓት ብምዕዛባን ክትምስክር ብምብቃዓን፡ ኲርዓት ከምዝስመዓ ብምሕባር፡ ው.ሕ.ሃ. ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰፊኑ ዘሎ ሃዋህው ሰላም፡ ናብ ተጨባጢ ናይ ምትሕግጋዝን ውህደትን መድረኽ ንምስግጋሩ፡ ኣበርክቶኡ ክገብር ዘለዎ ድልውነት ኣረጋጊጻ።
ብ25 ጥቅምቲ፡ ኣብ ሆቴል ኣስመራ-ፓላስ ንክብራ ኣብ ዝተዳለወ፡ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ኤርትራ፡ ሓለፍቲ ትካላት ው.ሕ.ሃ.ን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ናይ ድራር እንግዶት፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ወኪሉ ቃል ዘስመዐ – ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ዑደት ምክትል ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃ. ሚስ ኣሚና ሞሓመድ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ሰላማ ኣረጋጊጻ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ናይ ምትሕግጋዝ ጽምዶ ኣንቂላ፡ ጸጋታታ ኣጐሳጒሳን ኣወሃሂዳን ምሉእ ኣድህቦኣ ኣብ ልምዓት ገይራትሉ ኣብ ዘላ እዋን ይካየድ ብምህላዉ፡ ዓቢ ትርጉም ከምዘለዎ ኣረዲኡ።
እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ው.ሕ.ሃ. ኣቐዲሙ፡ ኣብ ሶማልያ፡ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ተመሳሳሊ ዑደት ኣካዪዱ እዩ።