ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ዝርከብ – ሕክምና ህጻናት ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት፡ ኣገልግሎቱ ንምስፋሕን ንምምሕያሽን ክግበረሉ ዝጸንሐ ምትትዕርራይ ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ድልው ኮይኑ።
እቲ ብምትሕብባር ኣብ ኢጣልያ ዝነጥፍ ‘ኣኑሊያሞ ላ ዲስታንዛ’ ዝተባህለ ማሕበር ዝተኻየደ ናይ ምጽጋን መስርሕ፡ ምትዕርራይ ክፍልታት፡ ዓራውትን ካልእን ዘጠቓለለ ሓድሽ ናውቲ ገዛ ምምላእ ከምኡ’ውን ናብ ነፍሲ-ወከፍ ክፍሊ ዝኣቱ ናይ ኦክሲጅን መተሓላለፊ ምጽጋን ዘጣመረ እዩ።
ብ24 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን፡ ፕረዚደንት ማሕበር ‘ኣኑሊያሞ ላ ዲስታንዛ’ ሚካኤል ሙፊን፡ ኣምባሳደር ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ ጋቦር ኢክሎዲን ካልኦት ዕዱማትን ተረኺቦም ነይሮም።
ሜዲካል ዳይረክተር ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ዶክተር ሃብተኣብ መሓሪ፡ እቲ ማሕበር – ኣገልግሎት ሕክምና ህጻናት ንምምዕባል፡ ካብ 2001 ኣትሒዙ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕና ናይ ምትሕግጋዝ ምሕዝነት ከምዝጸንሖ ብምሕባር፡ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።
ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ዝተጸገነ ክፍልታትን ዝተማልአ ናውትን ንምዕዛብ ዑደት ተወዲቡ።