ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወትን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈደራላዊት ሩስያ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ካብ 23 ክሳብ 24 ጥቅምቲ ኣብ ሶቺ – ሩስያ ኣብ ዝተቓንዐ፡ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ‘ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ንሽርክነት’ ተሳቲፉ።

ኣብ’ዚ መራሕቲን ወከልቲን ልዕሊ 40 ሃገራትን መንግስታትን ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ሩስያ ዝተሳተፉሉ ዋዕላ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ሩስያ ምስ ኣፍሪቃ ኪህልዋ ዝኽእል ናይ ምሕዝነት ክህሎትን ክግበር ዘለዎን ዘነጽር መልእኽቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣቕሪቡ።

ድሕሪ ምኽታም ዝሑል ኲናት፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ እንኮ-ቐጽራዊ ዕብለላ ንምንጋስ ዝተኻየደ ዝምቡዕ ህቀናታት፡ ቅልውላዋትን ዕንወትን ኣኸቲሉ፡ ዘይተኸኣልነት ናይቲ ዓብላሊ ስነ-ሓሳብ ብዘይውልውል ኣረጋጊጹ፡ ኣብ ቀራና መገዲ ስግግር ኣእትዩና ከምዘሎ ዝጠቐሰ መልእኽቲ ኤርትራ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ-ዘመን፡ ካብ ውሽጣዊ ሰለሎ ወጺኣ፡ ንዝተበየነላ ናይ ምግታእ ሓጹር ተጊራ፡ መደለቲኣን ጽልዋኣን ኣብ ምትዕርራይ እትርከብ ፈደራላዊት ሩስያ፡ ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝበለ ምምእዛን፡ ምስ ኣፍሪቃ ዝህልዋ ዝምድናታት ንምሕያል ትነጥፍ ምህላዋ ኣገንዚቡ።

መልእኽቲ ኤርትራ ኣስዒቡ፡ መዋእል ዝሑል ኲናት፡ ህዝብታት ኣፍሪቃ ካብ ጸልማት መግዛእትን ዝምታን ንምንጋፍ ዝተቓለሱሉን ሃገራት ናይ ምህናጽ መባእታዊ መድረኽን ምንባሩ ብምጥቃስ፡ መስረትቲ ኣቦታት፡ ሓርነትን ፍትሒን ተረጋጊጹ፡ ርግኣት ተዋሒሱ፡ ዝምታን ምዝመዛን ኣብቂዑ፡ ህዝብታት ዕብየትን ራህዋን ኪጐናጸፉ ምእንቲ ዝቐየስዎ መርሓጐደና፡ ብሰንኪ ዘይተገትአ ቀጻሊ ናይ ዕብለላን ዝምታን ኣጀንዳታት በቲ ሓደ፡ ብውሽጣዊ ምግምማዕን ብልሽውናን ድማ በቲ ኻልእ፡ ኣፍሪቃ ናይ ቅልውላዋት፡ ኲናት፡ ጥሜትን ስቅያትን ዝተዋሰነት ክፍለ-ዓለም ከምዝዀነት ኣነጺሩ።

ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዘቕረቦ መልእኽቲ፡ ሃንቀውታ ህዝብታት ኣፍሪቃ ተጨባጢ ንምግባር ኣብ 1963 ዝተመስረተ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ኣብ 30 ዓመታት ነቲ ዝተደልየ ሸቶታት ክወቅዕ ስለዘይከኣለ፡ ዝሓሸ ኣወዳድባ ኪግበረሉ ተባሂሉ ኣብ 2002 ‘ሓድነት ኣፍሪቃ’ ከምእተመስረተ፡ እንተዀነ ግን፡ እዚ’ውን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ውድብ ብዘይሓይሽ፡ ካብ ዝተመስረተሉ ክሳብ ሕጂ 90 ሚእታዊት ፕሮጀክትታቱ ብናይ ወጻኢ ትኳቦ ዝምወል፡ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ምምሕዳራዊ ባጀቱ ድማ ብምጽወታ ዝሽፈን ምዃኑ ጥራይ፡ መግለጺ ህላወኡ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

“ዝበዝሐ ምስ ኣፍሪቃ ዝጸንሐ ናይ ‘ምትሕግጋዝ’ ዝምድናታት ዝበሃል፡ ናይ ባዶ-ድምር ጸወታ’ዩ ኰይኑ ጸኒሑ።” ዝበለ መልእኽቲ ኤርትራ፡ ብዙሕ ናብ ዓብለልትን ዘመትቲን ዝምልከት ኣጻብዕ’ኳ እንተሃለወ፡ ቀንዲ ተሓመይቲ ኣፍሪቃውያን ባዕሎም ምዃኖም፡ ፍታሕ ናይቲ ሽግር ምርካብ ከኣ፡ ቀዳማዊ ሓላፍነት ናይ ኣፍሪቃውያን ከምዝኾነ ብምንጻር፡ ሓቀኛ ሽርክነት ኪምስረት ዝኽእል፡ ኣፍሪቃውያን ንሽግራቶም ሓቀኛ ፍታሕ ምስ ረኸቡ ጥራይ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

መልእኽቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ፡ ፈደራላዊት ሩስያ ኣብ ኩሉ ዓውድታትን ግንባራትን ምስ ዘለዋ ደርማስ ክህሎት፡ ምስ ኣፍሪቃ ኪህልዋ ዝኽእል ናይ ምሕዝነት ክህሎት ዓቢ ከምዝኾነ ብምብራህ፡ ዝሓለፈ ጌጋታት ኣሪማ፡ ካብ’ቲ ናይ ካልኦት ዝጸንሐ ልሙድ ኣካይዳ ወጻኢ፡ ምስ ህልውን መጻኢን ዓለማዊ ኩነታት ብውድዓውነት ዝዛመድ፡ ናይ ኣፍሪቃ ክዉን ትሕተምዕቡል ኩነታት ዝግንዘብ፡ ንኣፍሪቃ ናይ ሓያላን ዝምታ መቈራቘሲ ባይታ ዘይገብር፡ ኣፍሪቃውያን ቅድሚ ዝኣገረ ሽግራቶም ባዕላቶም ኪፈትሑን ጸጋታቶም ኣጐሳጒሶምን ኣማዕቢሎምን ንሓቀኛ ሽርክነት ዝበቕዑሉን ዕድል ዝህብ፡ ከምኡ’ውን ንኣህጉራዊ ሕጊ ዝምእዘዝ ዓለማዊ ስርዓት ንምንጋስ ዝዂስኲስ ናይ ሓባር መርሓ-ጐደና ስኢልካ ንምትሕግጋዝ ዝዓለመ ክኸውን ተማሕጺኑ።

ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ዋዕላ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ጽላታት ወፍሪን ንግድን፡ ጸዓት፡ ዕደና፡ ምስናዕን ካልእን ዘተኰረ ርክባት፡ ምስ ዝምልከቶም ሰብ-መዚ ፈደራላዊት ሩስያ ኣካዪዱ።

Categories