ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካላት መንግስትን ወከልቲ ህዝቢን ዝተሳተፉዎ ልምዓታዊ ርክብ ተኻዪዱ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣቶ ዑመር ያሕያ ሓጅ፡ ኣብ መንጎ ምምሕዳራትን ኣካላት መንግስትን ዘሎ ዝምድና ብምሕያል፡ ኣብ ኣተገባብራ ልምዓታዊ መደባት ድርኺት ንምፍጣር ዝዓለመ ርክብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ጥዕናውን ትምህርታውን መዳያት ዘሎ ንቕሓት ንምብራኽ ኣብ ዝካየድ ጐስጓሳት፡ ተራ ኣመሓደርቲ ከባብን ወለድን ኣተኵሮ ክወሃቦ ኣቶ ዑመር ኣዘኻኺሩ።

ሕሩም ሕዛእቲ ዕቱብ ምክትታል ክግበረሉ እውን ኣተሓሳሲቡ።

ተሳተፍቲ፡ ምስ ምኽላል ሕሩም ሕዛእቲ መተካእታ ጸዓት ክቀላጠፍ፡ ንሓደጋ ውሕጅ ኣብ ዝተቓልዐ ከባቢ ተደኲኑ ዝርከብ ኣባይቲ – ናብ ውሑስ ቦታ ዝግዕዘሉ ኩነታት ክፍጠር፡ ዝብሉን ካልኦትን ለበዋታት ኣቕሪቦም።

Categories