ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ዓንሰባ፡ ንሓረስቶት ንኡስ ዞባ ዓዲ-ተከሌዛን፡ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታቶምን ምድንፋዕ እቶታውነቶምን ዝሕግዞም – መድረኽ ምልውዋጥ ሞያዊ ሓበሬታታት ወዲቡ።
እቲ ብ21 ጥቅምቲ፡ ኣብ ፕሮጀክት ሕርሻ ኣብነታዊ ሓረስታይ ኣቶ ገብረማርያም ክፍለ ዝተኻየደ መደብ፡ ሓረስቶት ኣብ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ዝጸንሖም ተመኲሮን ሞያዊ ፍልጠትን ንምብራኽ ዝዓለመ ነይሩ።
ኣብ’ቲ ካብ ዓዲተከለዛን፡ ደቂ ገብሩ፡ ደቂ ዘርኡ፡ ዋራ፡ ጎላጉልን ደቀምሓረን ዝመጹ 85 ሓረስቶት ዝተሳተፍዎ መድረኽ፡ ግዝያዊ ሓላፊት ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ዓንሰባ ወ/ሮ ክብራ ገብረመስቀል፡ ተጠቃምነት ምሩጽ ዘርኢ ኣብ እቶትን እቶታውነትን 50 ሚእታዊት ኣበርክቶ ከምዝገብር፡ ዝተረፈ ሓምሳ ሚእታዊት ድማ ኣብ ድሉውነት ሓረስታይ፡ ምድኳዕ ግራውቲ፡ ከምኡ’ውን ምክትታልን ምእካብ ምህርትን ከምዝምርኰስ ሓቢራ።
ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝነጥፉ ሞያውያን ሕርሻ፡ ንብሉጽነት ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ዝምልከት ሓበሬታ ድሕሪ ምሃብ – ሓረስቶት ኣብ ኣዘራርኣ፡ ኣደዃዅዓ፡ ኣተዓቓቕባ ማይን ሓመድን ካልእን ሓሳብ ተለዋዊጦም።
እቲ ብማእከል ምርምር ሕርሻ ሓልሓለ ዝተዋህበ ‘ሲድራ’ ዝዓይነቱ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ለሚዑሉ ዘሎ ልዕሊ 4.5 ሄክታር ፕሮጀክት፡ ገለ ክፋሉ ንዓጺድ ተቐራሪቡ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣብነታዊ ሓረስታይ ኣቶ ገብረማርያም ክፍለ፡ ኣብ ናይ ሰለስተ ዓመታት ተመኵሮኡ፡ ን125 ሓረስቶት ምሩጽ ዘርኢ ከምዝዓደለ ገሊጹ።