ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባ ሞጎሎ፡ ንሓረስቶት ኣብ ረብሓታት ምሩጽ ኣዝርእቲ ዘተኰረ – ብግብሪ ዝተሰነየ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።
ሓላፊ ኣሃዱ ልምዓት ኣዝርእቲ ኣቶ ነጋሲ ሃብተሚካኤል፡ ጐድኒጐድኒ’ቲ ብሓረስቶት ዝካየድ ጻዕሪ፡ ልዑል እቶት ክህቡ ዝኽእሉ ምሩጻት ኣዝርእቲ ንምትእትታው ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ሰለስተ ዓይነት ምሩጽ ዘርኢ መሸላ፡ ክልተ ዓይነት ምሩጽ ዘርኢ ብልቱግ፡ ሓደ ዓይነት ምሩጽ ዘርኢ ዓይኒ-ዓተርን ሱፍን ኣብ መደበራት ምርምር ሕርሻን ግራውቲ ሓረስቶትን ተፈቲኑ – ጽቡቕ ውጽኢት ስለዝተረኽቦ፡ ኣብ ቀጻሊ ናብ ኣብነታውያን ሓረስቶት ንምዝርግሑ ኣብ መደብ ምህላዉ ገሊጹ።
ሓላፊ ጨንፈር ብቚሊ ኣቶ ጐይትኦም ሃይለሚካኤል ብወገኑ፡ ሓረስቶት ምስ ከባቢኦም ዝሳነዩ ልዑል እቶታውነት ዝርከቦም ኣዝርእቲ ኣብ ምምራጽ፡ ዕቱባት ክኾኑ ብምዝኽኻር፡ ብሞያውያን ንዝወሃብ ምኽርን መምርሕን ብግቡእ ተኸቲሎም ምስ ዝዓዩን፡ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ብኣድማዕነት ምስ ዘተግብሩን፡ ንጻዕሮም ዝዳረግ ምእኩት እቶት ክሓፍሱ ከምዝኽእሉ ኣብሪሁ።
እቶም ሓረስቶት ኣብ መወዳእታ፡ ዝተዋህቦም ብግብሪ ዝተሰነየ ኣስተምህሮ፡ ንዝጸንሖም ኣፍልጦ ዝድርዕ ኮይኑ ከምዝረኸቡዎ ብምሕባር፡ ኣብ መጻኢ ብግቡእ ከተግብሩዎ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።