ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ – ምምሕዳራት ከባቢ ኢንገል፡ መካዕኒለ፡ ባካዕን ባዴዳን ንዝነጥፉ ልምዳውያን ገፈፍቲ ዓሳ ንምሕያል ከምዝሰርሕ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ብ18 ጥቅምቲ ምስ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ገፈፍቲ ዓሳ ቀረባት በረድን መቀያየሪ ኣቕሑን ብቐረባ ዝረኽቡሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝካየድ ጻዕሪታት ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርን መደባት ልምዓትን፡ ምዅስኳስን ምምእዛንን መንእሰያት፡ መሰልን ሱታፌን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ባህሊ ዓያይነትን ጸጋታት ባሕሪን ብሰፊሑ ተዘሪቡሉ።

ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ብተወሳኺ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ባዳ ብውሑጅ ዝብሕጎግ ዘሎ መሬት ሕርሻ ንምድሓን፡ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ደሴታት ዘሎ ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይ ፍታሕ ክናደየሉ፡ ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ኣሕደርቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ክኽፈታ ዝብልን ካልእን ለበዋታት ኣቕሪቦም።

Categories