ፈጻሚ ዳይረክተር ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን ዶክተር ሃይለ ምሕጹን፡ ኣብ ሳዋ ንዝርከቡ ኣባላት 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኾኑ ተመሃሮ 2ይ ደረጃ ዋርሳይ-ይከኣሎ፡ ንላዕለዋይ ትምህርቲን ጉዕዞኡን ዝምልከት ሰሚናር፡ ብ19 ጥቅምቲ ኣካዪዱ።
ንታሪኽ ላዕለዋይ ትምህርቲ ድሕሪ ናጽነትን በብእዋኑ ክግበረሉ ዝጸንሐ ምኽላስን ብሰፊሑ ዘብርሀ ዶክተር ሃይለ፡ ኣብ 2004 ዝተፈላለያ ኮሌጃት ብምኽፋት፡ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ተአንግዶ ዝነበረት ኣዝዩ ውሱን ቊጽሪ ክብ ብምባል ዝሰፍሐ ዕድላት ንምፍጣር ብዝተወስደ ስጒምቲ፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ልዕሊ 10 ዓመታት ኣስታት 31 ሽሕ ዜጋታት ብዲግሪን ዲፕሎማን ከምእተመረቑ ኣብሪሁ።
ብዘይካ’ዚ፡ 584 ብናይ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቲ ንወጻኢ ሃገራት ከምእተላእኩ ዝገለጸ ዶክተር ሃይለ፡ ነቲ ዕድል ንምስፋሕ፡ ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ኣስመራን ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎን ናይ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቲ ከምዝጅምራ ከምእተገብረ፡ ዝነበረ ሕጽረታት መማህራንን ናይ ትምህርቲ መሳለጥያታትን ንምምላእ እውን ገዚፍ ወፍሪ ከምእተገብረ ሓቢሩ።
ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ፕሮግራማት ብሉጽን ተወዳዳሪን ኮይኑ፡ ጠለብ ቁጠባዊ ጉዕዞ ሃገር ዝምልስን ንዕኡ ዘገልግልን ንምግባሩ፡ ካብ ፈለማ 2018 ጀሚሩ በብደረጃኡ ዝትግበር ናይ ምትዕርራይን ምቕርጣውን ስጉምትታት ይውሰድ ከምዘሎ ዝገለጸ ዶክተር ሃይለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንማስተርስን ዶክትረይትን ዲግሪ ናብ ወጻኢ 123፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ተበጊሶም ዘለዉ 97፡ ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝኾነ ኣረዲኡ። እቲ ዕድል ቀጻሊ ምዃኑ እውን ገሊጹ።