ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ፎሮን ገልዓሎን፡ ኣብ ዕቃበ ጥንታዊ ቅርስታትን ረቂቕ ባህላዊ ውርሻታትን ኣስተምህሮ ወዲቡ።
ኣብ’ቲ ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣመሓደርቲን ወከልቲ ህዝብን ዝተሳተፉዎ – ካብ 15 ክሳብ 18 ጥቅምቲ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ኣብ ሌላን ኣገዳስነትን ቤተ-መዘክር፡ ቅርስን ኣገዳስነቱን፡ ምሕደራን ውዳበን ፈስቲቫላትን ሃገራዊ በዓላትን ኣብ ዘጠቓልል ዛዕባታት፡ ብኣባላት ቤተ-መዘክር ዞባ ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ።
ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ወ/ሮ ዘይነብ ዑመር፡ ጥንታዊ ቅርሲታትን ባህላዊ ውርሻታትን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ተካእቲ ወለዶ ንምስግጋሩ፡ ሓላፍነት ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ምዃኑ ኣገንዚባ።
ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሓፈሻ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ገልዓሎን ፎሮን ከኣ ብፍላይ፡ ንኤርትራ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ዘፍለጡን ከፍልጡ ዝኽእሉን – ካብ ዘመናት ክሳብ ናይ ቀረባ እዋናት ጥንታዊ ኣሰራት ከምዝርከቡ ዝጠቐሰ፡ ሓላፊ ጨንፈር ባህሊ ኣቶ ዮውሃንስ ገብረየሱስ ብወገኑ፡ ነበርቲ ኣብ ምዕቃብ ቅርስታትን ጥንታዊ ኣሰራትን ብዘለዎም ውህሉል ተመኵሮ፡ ኣበርክቶኦም ከዛይዱ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ባጽዕ ብዘይካ’ዚ፡ ብ15 ጥቅምቲ – ኣብ ኣገዳስነት ዓይኒ ምድሪን ጥዕናዊ ረብሓታቱን ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።
ኮሚተታት ጥዕና ከባቢ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢታት፡ መራሕቲ ዞናትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣብ ዝተሳተፉዎ ኣስተምህሮ፡ ኣመሓዳሪ ከተማ ባጽዕ ኣቶ ሃይለ ኣስፋሃ፡ ክሳብ 2020 መላእ ህዝብን ትካላትን ከተማ ባጽዕ ዓይኒ ምድሪ ክሃንጹ መደባት ተታሒዙ ከምዘሎ ገሊጹ።
ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ረዘነ ፍስሃ ድማ፡ እቲ መደብ ንጡፍ ተሳታፍነት ናይ ነፍሲወከፍ ዜጋ ስለዝሓትት፡ ውሁድ ጻዕሪ ክካየድ ኣተሓሳሲቡ።