ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ሓላፊ ጨንፈር ልምዓት ብቚልን እንስሳን ኣቶ በረቐ ዑቕባሚካኤል፡ ሓረስቶት ዝኣኸለ ዘራእቶም ብዝቐልጠፈ መንገድን ብመልክዕ ወፈራታትን ክእክቡ ኣዘኻኺሩ።

ህጥራን ባሕሪ ዝፈጥሮ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም – ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝርአ ዝናብ ኣብ ሃገርና ልሙድ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ በረቐ፡ ኣቐዲሙ ክዛዘም ዝነበሮ ናይ ሎሚ ዘመን ክረምቲ፡ ጌና ካብ ባሕሪ ዝብገስ ዝናብ ብሕጂ ንሓደ ወርሒ ክቕጽል ትንቢት ኩነታት ኣየር ብምህላዉ፡ ሓረስቶት ጻዕሮም ፍረ ክረኽቡሉ፡ ምስ ግዜ ክቀዳደሙ መኺሩ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ መስርሕ ምእካብ ኣእካል ንምቅልጣፍ፡ ኣስታት 50 ሽሕ ማዕጺድ ቀሪቡ ከምዘሎ፡ ድሮ’ውን ብመሰረት ዝቐረበ ጠለብ፡ ኣስታት 5 ሽሕ ማዕጺድ ናብ ዞባ ደቡብ ከምእተላእከ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣስታት 18 ሽሕ ሄክታር ስምስም ይእከብ ከምዘሎ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ 444፡ ኣብ ዞባ ማእከል 576 ሄክታር ስርናይ ድማ፡ ንምእካቡን ንምኽያዱን ማሽነሪ ተዳልየን ከምዘለዋ ኣብሪሁ።

Categories