ኣብያተ-ጽሕፈት ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ ንኡሳን ዞባታት ፎርቶ-ሳዋ፡ ድገን ሞልቊን፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገማት ከምዘለዎም ብምምሕዳራት ንዝተለለዩ ተመሃሮ፡ ናውቲ ትምህርቲ ብሓገዝ ዓዲለን።
ብመሰረት’ዚ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፡ 19 ደቂ-ኣንስትዮ ንዝረከባኦም 50 ተመሃሮ ናውቲ ትምህርቲ ክወሃብ እንከሎ፡ ን70 ጽጉማት ስድራ-ቤታት ድማ ተሳሓቢ ዓረብያታት ተዓዲሉ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ድገ ን45፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሞልቊ ከኣ ን35 ተመሃሮ መባእታን ማእከላይን ደረጃ፡ ምሉእ ናውቲ ትምህርቲ ከምእተዓደለ ክፍለጥ ተኻኢሉ።