ኣብ 2015 ዝተመስረተ ዞባዊ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ኣብ ወለንታዊ ልግሲ ደም ብምብራኽ፡ ጠለብ ደም ትካላት ጥዕና ኣብ ምምላእ ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ፡ ብ15 ጥቅምቲ ኣብ ዝተቓንዐ ካልኣይ ጉባኤ ተገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ዞባዊ ማሕበር ኣቶ ገብረመስቀል እምባየ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ጸብጻብ፡ ናይ ባጀትን መሳለጥያን ብድሆታት እኳ እንተሎ፡ ሳላ ጻዕሪ ኣባላቱ፡ ንከተማታት ባረንቱ፡ ተሰነይን ኣቑርደትን ማእከል ብምግባር ብዝተኻየደ – ልዕሊ 36 ሽሕ ዜጋታት ዝተሳተፉዎ ጐስጓሳት፡ ቁጽሪ ወለንታውያን ለገስቲ ደም 450 ከምዝበጽሐ፡ ብዝተኻየደ ወፍሪ ድማ 1480 ከረጺት ደም ከምእተኣከበ ሓቢሩ።

ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም፡ ኣቶ ሳምሶን ገብረስላሴ ብወገኑ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝጸንሐ ግጉይ መረዳእታ ምቕያሩን፡ ቁጽሪ ወለንታውያን ለገስቲ ደም ምብርካቱን፡ መርኣያ ናይ ዝተኻየደ ጻዕሪ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብዝትካእ ደም ዘይትትካእ ሂወት ምድሓን፡ ንማሕበር ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ስለዘይኮነ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ኣበርክቶ ክገብር ኣተሓሳሲቡ።

ወኪል ሃገራዊ ባንክ ደም ኣቶ መሓሪ ኣብርሃ ድማ፡ ኣወዳድባ ሃገራዊ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ክሳብ ንኡሳን ዞባታት ምውራዱ፡ ነቲ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዘጋጥም ዝነበረ ስእነት ደም ዘስዕቦ መጠን ሞት ከምዘጉደሎ ኣረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ንማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ዞባ ጋሽ-ባርካ እተካይድ 20 ዝኣባላታ ፈጻሚት ቦርድ ተመሪጻ።

Categories