ኣብ ዞባ ደቡብዊ ቀይሕ ባሕሪ – ንኡስ ዞባ ኣራዕታ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብስርሓት ላኻ ዝሰልጠና 20 ደቂ-ኣንስትዮ ብ14 ጥቅምቲ ተመሪቐን።

እቲ ስልጠና፡ ኣካል ናይ’ቲ ደቂ-ኣንስትዮ ሞያ ዓጢቐን ብቑጠባ ነብሰን ክኽእላ ዝካየድ ጻዕሪ ምዃኑ ዝሓበረ ሓላፊ ፕሮጀክት ሃማመተኤ ዞባ ደቡብዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ መንእሰይ መሓመድ ዓሲርሙዖ፡ ዝቐሰምኦ ሞያ ብግቡእ ክሰርሓሉን ከማዕብልኦን ተላብዩ።

እተን ደቂ-ኣንስትዮ ብዝሰልጠናሉ ሞያ ኣፍረይቲ ንክኾና፡ መሻርኽቲ ኣካላት ናይ ስራሕ ባይታ ክፈጥሩለንን ክደጋገፉወንን፡ መንእሰይ መሓመድ ብተወሳኺ ተላብዩ።

ዋና ኣካያዳ ሰራሕ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ ኣቶ መሓመድ ዓብዳላ እውን፡ ሰልጠንቲ ዝቐሰማኦ ሞያ ኣብ ስራሕ ብምምዕባል፡ መነባብሮአን ከመሓይሻ ኣዘኻኺሩ።

Categories