ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ደቡብ፡ “ባህላዊ ውርሻና፡ መግለጺ መንነትና” ብዝብል ቴማ፡ ባህላዊ ንጥፈታት ንምሕያልን ናብ ወለዶታት ብዝግባእ ዝሰጋገረሉ ሜላታት ንምጥጣሕን ዝዓለመ ዋዕላ ብምክያድ፡ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ውጥን ኣጽዲቑ።

ካብ 17 ክሳብ 18 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተቓንዐ ዋዕላ፡ ንረቂቕ ባህላዊ ውርሻ፡ ቱሪዝማዊ ጸጋታትን ሰነዳዊ ውርሻን፡ ኩነታት ጥንታውያን ገዳማትን ዓበይቲ ንግደታትን፡ ንኣመጻጽኣ ባህላዊ ኣልባሳትን ካልእን ዝፍትሹ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቦም።

ሓላፊ ጨንፈር ባህሊ ኣቶ ዘርእሰናይ ተስፋይ፡ እቲ ዋዕላ – ኣማእዘንቲ ሓሳባት ንምብርባርን ናብ ተጨባጢ መደባት ንምስግጋሮምን፡ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኰሰ ሓሳባትን ሓበሬታታትን ንምልውዋጥ ከምዝሓገዘ ገሊጹ።

እቶም መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ሓባራዊ ኣጠማምታ ብምፍጣር፡ ባህላውን ባህርያውን ውርሻታቱ ናብ ዝቕጽሉ ወለዶታት ንምስግጋር ብዛዕባ ክትግበሩ ዘለዎም ስራሓት ብሰፊሑ ተንቲኖም።

ሓላፊ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ኣቶ ኣብርሃም ዮውሃንስ፡ እቶም ወረቓቕቲ፡ ኣብ’ቲ ምስ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ብምትሕብባር ዝተዳለወ ስትራተጂያዊ ውጥን፡ ተጨባጢ ጽልዋ ከምዝህልዎም ኣረጋጊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተጽፋጽዮን ብወገኑ፡ ዕማም ባህልን ስፖርትን ኪንዮ ናይ ምዝንጋዕ ኣጋጣሚታት፡ መጽናዕቲ ብምክያድ – እኹልን ጽጹይን ሓበሬታ ብምእካብ መላግቦ ምዕባለ ንክኸውን ክስራሓሉ ኣዘኻኺሩ።

ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ድማ፡ ኣብ ኣገዳስነት ቅርሲን ሓለዋኡን ዘሎ ንቕሓት ንምብራኽ፡ ዕቱብ ዕዮ ክካየድ ኣተሓሳሲቡ።

Categories