ኣብ ሻሓ – ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ፕሮጀክት ዝስተ ማይ ንምውዳድ ዝተጀመረ ስራሕ፡ ብንጡፍ ተሳትፎ ነበርቲ ኣብ ደረጃ ምዝዛም ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ ማይ ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ ክብሮም ምስግና፡ እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ግንቦት ብምውህሃድ ክፍሊ ሃብቲ ማይን ነበርቲ ዓድን ዝተጀመረ ፕሮጀክት፡ 75 ሚእታዊት ስራሓቱ ከም እተሳለጠ ብምሕባር፡ ዝተረፈ ኣብ ሓጺር እዋን ንምዝዛሙ ጻዕሪታት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ፕሮጀክት፡ ካብ’ቲ ቀንዲ ምንጪ ማይ ዝተዘርግሐ 1.7 ኪ.ሜ ሻምብቆታት፡ መዋህለልን መከፋፈሊን ባስካ፡ ከምኡ’ውን ሰለስተ መዐደሊ ነቑጣታት ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ’ቲ ስራሕ ልዑል ኣበርክቶ ንዝገብሩ ዘለዉ ነበርቲ ዘመጐሰ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ህዝቅያስ ውህበት፡ ንድሕነት’ቲ ፕሮጀክት ውሕሉል ኣጠቓቕማ ክዝውተር ኣዘኻኺሩ።

ካብ መንደፈራ ኣስታት 18 ኪ.ሜ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ርሒቓ እትርከብ፡ 1500 ነበርቲ ዘለውዋ ሻሓ፡ ሓንቲ ካብ ዓድታት ምምሕዳር ከባቢ ኣረጊት-መኽረም እያ።

Categories