ብዶክተር ተኸስተ ፍቓዱ ዝተዳለዋ፡ 332 ገጻት ዝሓዘት -“ታሪኽ ዘመናዊ ሕክምና ኣብ ኤርትራ” ከምኡ’ውን 230 ገጻት ዘለዋ “25 ምሩጻት ሓጸርቲ ዛንታታት ኣንቶን ቸኮቭ” – ክልተ መጻሕፍቲ፡ ብ18 ጥቅምቲ፡ ኣብ ኣስመራ – ሆቴል እምባሶይራ ተመሪቐን።

ኣብ’ቲ ሚኒስተራት ዝርከብዎም ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ዕድመ ዝተገብረሎምን ማሕበረሰብ ስነ-ጥበብን ዝተረኽቡሉ ስነስርዓት፡ ዶክተር ተኸስተ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ዘመናዊ ሕክምና ኤርትራ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብ ክልተ ገጻት ዝተኸፍለ ምዃኑ ብምሕባር፡ እቲ ቀዳማይ ካብ 1952 ክሳብ 1974፡ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ቅድሚ መግዛእቲ ክሳብ መወዳእታ ምምሕዳር እንግሊዝ 1952፡ ብሓፈሻ 12 ዓመታት ከምዝሓቁፍ ገሊጹ።

ዕላማኡ፡ ታሪኽ ኤርትራ ቅኑዕ መስመሩ ሒዙ ክኸይድን ናብ ወለዶታት ክሰጋገርን ንምሕጋዝ ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ።

ገምጋሙ ንመጽሓፍ “ታሪኽ ዘመናዊ ሕክምና ኣብ ኤርትራ” ዘቕረበ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዳይረክተር ጨንፈር ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክተር ኣርኣያ ብርሃነ፡ እታ መጽሓፍ ንተመራመርቲ ታሪኽ ብፍላይ ድማ ንሞያውያን – መወከሲ ሰነድ ክትከውን እምነቱ ገሊጹ።

ጦብላሕታኡ ኣብ መጽሓፍ “ምሩጻት ሓጸርቲ ዛንታታት ኣንቶን ቸኮቭ” ዝገለጸ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዮሴፍ ገብረዮሃንስ ድማ፡ ሩስያዊ ኣንቶን ቸኮቭ – ስርሓቱ ናብ ብዙሓት ቋንቋታት ተተርጒሞም ከምዘለዉ፡ ብቋንቋ ትግርኛ ምትርጓሙ ድማ ንኤርትራውያን ኣንበብቲ ዝያዳ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ብምሕባር፡ ተርጓሚ ኣብ’ዘን ብመልክዕ መጽሓፍ ዝጠርነፈን 25 ሓጸርቲ ዛንታታት፡ ናይ 1950ታትን 1960ታትን መንእሰያት ከምኡ’ውን ሕጂ ዘለዉ ነበብቲ ንምሕቋፍ ዘኽእሉ – ጥንታውያንን ዘመናውያንን ሓረጋት ምጥቃሙ ከም ብልጫ ጠቒሱ።

ዶክተር ተኸስተ ፍቓዱ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን “ጉዕዞ ካብ ናቕፋ ናብ ናቕፋ”ን “ካብ ኦሮማይ ናብ ኦሮማይ”ን ብቋንቋ ትግርኛ፣ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ድማ ብቋንቋ እንግሊዝኛ – ትሽዓተ መጻሕፍቲ ኣበርኪቱ እዩ።

ኣብ ቀረባ መጻኢ ድማ፡ “ካብ ናቕፋ ናብ ኣስመራ” ዘርእስታ መጽሓፍ ንነበብቲ ከቕርብ መደብ ከምዘለዎ ተፈሊጡ።

Categories