ካብ 2017 ኣብ ንኡስ ዞባ ሃበሮ – ምምሕዳራት ከባቢ ፍልፍለ፡ ሃበሮ ጻዕዳ፡ መዝረት፡ ኣፍዓዩንን ቃርዖበልን ክህነጻ ዝጸንሓ ሓሙሽተ ተወሰኽቲ ኣብያተትምህርቲ፡ ኣገልግሎት ክህባ ብምጅማረን፡ ዝጸንሐ ሕጽረት መምሃሪ ክፍልታት ከምእተፈትሐ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ፍትዊ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ፍልፍለ ዝጸንሐት ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤትትምህርቲ – ብዝሒ ህዝቢን ካብ ማእከላይ ቦታ ዘለዋ ርሕቀትን ኣብ ግምት ኣትዩ ናብ ካልኣይ ደረጃ፡ መባእታ ቤት-ትምህርቲ ኣፍዓዩን ድማ ናብ ማእከላይ ደረጃ ከምዝዓበያ እውን ገሊጹ።

ንኣገልግሎት ማይ ብዝምልከት ድማ፡ ኣቶ ፍትዊ፡ ኣብ ፍልፍለ፡ ገለትን ቃርዖበልን ብሰንኪ እርጋን ናውቲ ጸሓያዊ ጸዓት ተሰናኺለን ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይነን ዝጸንሓ ፕሮጀክታት ቀረብ ማይ ተሓዲሰን ኣገልግሎት ክጅምራ እንከለዋ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኣፍዓዩን ዒላ ተዃዒታ ከምእተሃንጸት፡ ኣብ ምምሕዳር ከቢ ሃበሮ ጻዕዳ ድማ ሓጽብን ዒላን ከምእተሰርሓ ኣብሪሁ።

ኣብ ፍልፍለ፡ ሃበሮ ጻዕዳን ዓሪታይን ብዝተገብረ መጽናዕቲ ርእሰ-ውጥን ተዳልዩ፡ ኣብ ፍልፍለ ን1500 ስድራቤታት ጤሳ ክዕደል እንከሎ፡ ኣብ ሓውሲ ከተማ ዓሪታይ ዘድሊ ቅጥዕታት ንዘማልኡ 188 ዜጋታት ንመንበሪ ዝኸውን መሬት ከምእተዋህበ፡ ኣብ ሃበሮ ጻዕዳ እውን ኣብ ቀረባ መጻኢ ናይ ምዕዳል መስርሕ ክትግበር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ሓንቲ ማእከል ጥዕና እትርከበን ሰለስተ ትካላት ጥዕና – ኣብ ዓሪታይ፡ ፍልፍለ፡ ሃበሮ ጻዕዳን ኣፍዓዩንን ተዋዲደን ንህዝቢ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ዝገለጸ ኣቶ ፍትዊ፡ ነተን ዘይተበጽሓን ካብ ማእከላይ ቦታ ራሕቂ ዘለወንን ምምሕዳራት ከባቢ መዝረትን ሃበሮ ጸሊምን፡ ኣጋር ሓኪም ብምስልጣን ይሽፈና ከምዘለዋ ሓቢሩ።

Categories