ኤርትራውያን ነበርቲ ቶሮንቶ – ካናዳ፡ ሚላኖ – ኢጣልያን ጆሃንስበርግን ከባቢኣን – ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን በብወገኖም፡ ዝተፈላለየ ሃገራዊ ንጥፈታት ከምዘሰላሰሉ ተሓቢሩ።
ኤርትራውያን ነበርቲ ቶሮንቶ፡ “ቃልሲ ክሳብ ፍጹም ዓወት” ብዝብል ቴማ፡ መበል 40 ዓመት ምስረታ ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ብልዑል ማዕርግ ጸምቢሎም።
ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ካናዳ ኣቶ ኣሕመድ ኢማን፡ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ብስራሕን መስዋእትን ዘረጋገጻኦ ማዕርነት – ብልዑል ሓበን ዝግለጽ ምዃኑ፡ እዚ ክብሪ’ዚ ናብ ንኣሽቱ ወለዶ ክወራረስ ድማ፡ ናይ ኩሉ ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።
ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ንሃገራዊ ናጽነት፡ ሰብኣዊ ክብሪ፡ ማዕርነትን ፍትሒን፡ ኣብ ጽላል ሃገራዊ ሰውራ ተጠርኒፈን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበራ ዝጠቐሰት – ሓላፊት ጨንፈር ሃማደኤ ወይዘሮ ንጽህቲ ሃይለ ድማ፡ ውዳበአን ኣሐዪለን ኣብ መደባት ልምዓት ዝገብራኦ ኣበርክቶ ከዕዝዛ፡ ዘለዋ እምነት ገሊጻ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ኣቶ ፍስሓጽዮን ጴጥሮስ፡ ብ13 ጥቅምቲ ንኤርትራውያን ነበርቲ ሚላኖ ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር፡ መንግስቲ ኤርትራ ዜጋታቱ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ንከውፍሩ – ንምትብባዖም ብዛዕባ ኣውጺኡዎ ዘሎ መደብ መግለጺ ሂቡ።
ኣምባሳደር ፍስሃጽዮን፡ ቁጠባ ሃገር ዘበራብርን ዜጋታት ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ተረባሕቲ ዝኾኑሉን ዓውድታት ወፍሪ ተነጺሩ፡ ቅጥዕታት ከምዘዳለወ ብምሕባር፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ዘለዎ ትምህርቲ፡ ተመኵሮ፡ ዕቑር ሓይሊን ዓቕሚን ፈሊጡ ነቲ ዕድል ክጥቀመሉ ጸዊዑ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን፡ ኣቶ ሳልሕ ዑመር፡ ብ13 ጥቅምቲ ንኤርትራውያን ነበርቲ ጆሃንስበርግን ከባቢኣን ተመሳሳሊ ሰሚናር ኣካዪዱ። መንግስቲ ዘላቒ ቁጠባዊ ዕብየት ንምርግጋጽ ዝዓለመ ዕድላት ወፍሪ ኣጣጢሑ ምህላዉ ብምሕባር፡ ዜጋታት ተረባሕቲ ክኾኑ ኣዘኻኺሩ።