ብኣሕተምቲ ሕድርን ኣገልግሎት ማሕተም ሳቡርን ዝተወደበ፡ ኣብ ምምዕባል ጥበብ ሕትመት መጽሓፍ ዝዳህሰሰ ዓውደ-ዘተ፡ ትማሊ 17 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ኣገልግሎት ማሕተም ሳቡር ተኻዪዱ።

ኣብ’ዚ ንቅድመ-ሕትመት፡ ሕትመት፡ ስእልን ሕትመትን፡ ከምኡ’ውን ምድላው ቅጥዒ መጽሓፍ (ለይ-ኣውት) ዝምልከት ናይ ሓደ መዓልቲ ዓውደ-ዘተ፡ ደረስቲ፡ ክኢላታት ሕትመት፡ ናይ ሕትመት ትካላት፡ ኣብ ለይ-ኣውት ዝነጥፉን ምስ ናይ ሕትመት ስርሓት ቅርበት ዘለዎምን ሞያውያን ተሳቲፎም።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ዝተፈላለዩ ክኢላታት፡ ኣብ ቅድመ-ሕትመት ብዛዕባ ክግበር ዘለዎ ጥንቃቐታት፡ ኣገዳስነት ምውህሃድ ዝተፈላለዩ ስእልታት፡ ኣገባብ ኣቀራርጻ ስእልታት፡ ኣገባብ መረጻ ስእሊ ንሕትመት፡ ዓቐን ፊደላትን ምሕላው ሚዛን ኣብ ጽሑፍን፡ ኣሰራርዓ ፊደላት ግእዝን ካልእን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት መግለጺ ኣቕሪቦም።

ካብ ኣሕተምቲ ሕድሪ ኣቶ ኤፍሬም ሃብተጽዮን፡ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዕላማ’ቲ ዓውደ-ዘተ ብቐንዱ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ርክብ ብምክያድ፡ ኣብ ሕትመት ከጋጥሙ ዝጸንሑ ሕጽረታት ብኣጋ ክእረሙ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቅድመሕትመት፡ ዲዛይን፡ ኣመራርጻ ሕብርን ስእልን ምምሕያሻት ብምግባር፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምንጣር ዝሕግዝ ባይታ ንምፍጣር ምዃኑ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ዝሕተሙ መጻሕፍቲ ንምሓዞም ዝጥዕሙ ክኾኑን ክብደቶም ክሕሰበሉን፡ ኣብ ግዜ ሕትመት ዝርአ ናይ ሕብሪ ምቅይያራት ኣቓልቦ ክግበረሉ፡ ክኢላታት ንምፍራይ ዝዓለመ ስልጠናታት ክውደብ፡ ኣብ ቅድመ-ሕትመት ዝፍጸም ጌጋታት ንምውጋድ ኣድላዪ ሓበሬታን ምኽሪን ክወሃብ – ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ሓላፊ ምርምርን ስነዳን ህግደፍ ኣቶ ዘምህረት ዮውሃንስ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ሕትመት፡ ለይኣውትን ዲዛይንን ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ኣተባባዒ እኳ እንተኾነ – ከዛኒ ስለዘይግባእ፡ ኣብ’ዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ዜጋታት ብትምህርቲ ዝተደገፈ ተወዳዳሪ ሞያዊ ፍርያት ንምቕራብ ምእንቲ ክኽእሉ፡ ቀጻሊ ጻዕሪ ክገብሩ ኣዘኻኺሩ።

Categories