‘16 ጥቅምቲ ኣህጉራዊ መዓልቲ መግብ’ን ‘17 ጥቅምቲ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ ድኽነት’ን፡ “ስጉምትታትና ዋሕስ መጻኢና – መኣዛዊ መግቢ ንጥሜት-ኣልቦ ዓለም” ብዝብል ድርብ ቴማ፡ ትማሊ 16 ጥቅምቲ ኣብ እምባደርሆ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ተዘኪረን።
ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን፡ ሓለፍቲ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን መራሕቲ ሃይማኖትን ወከልቲ ሓረስቶትን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝያዳ ኣተኲሮ ዝወሃቦ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ እኳ እንተነበረ፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ድማ – መኣዛዊ መግቢ ልዑል ኣድህቦ ክግበረሉ ኣገዳሲ ኮይኑ ከምእተረኽበ ብምጥቃስ፡ ካብ ጥሜት ምግልጋል ጥራይ ዘይኮነ፡ መኣዛዊ መግቢ ብምምጋብ ካብ ሕማማት ምክልኻል ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
“ኣብ ኤርትራ፡ ምርግጋጽ መኣዛዊ መግቢ – ክንዛረበሉን ስትራተጂ ሓንጺጽና ክንሰርሓሉን ካብ እንጅምር፡ ብውሑዱ ሽዱሽተ ዓመታት ኣቚጺርና ኣሎና” ዝበለ ሚኒስተር ኣረፋይነ፡ መደባት ንኡስ-ውሁድ ስድራቤታዊ ሕርሻ ብምምዕባል፡ ናብ እንስሳታትን ኣዝርእትን ዘጣመረ ዓይነት ሕርሻ ንምስግጋር ጻዕርታት ይካየድ ።
ከምዘሎ፡ ምስ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ብምትሕብባር – ኣብ ዲጋታት ዓሳታት ንምፍራይ ዝሰላሰል ዘሎ ንጥፈታት እውን ውሑድ ካብ’ቲ ብዙሕ ኣብነታት ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣወሃሃዲት ኣብያተ-ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ሚስ ሱዛን ንጎንጊ፡ ኣብ 101 ሃገራት 1.3 ቢልዮን ሰባት ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ከምዝነብሩ፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብዚኦም ድማ ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ምዃኖም ብምምልካት፡ ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ቃልሲ ኣንጻር ድኽነትን ዘይነጻጸሉ ስለዝኾኑ፡ ከም ኣካል ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ብልዑል ኣድህቦ ይስርሓሎም ከምዘሎ ገሊጻ።
ወኪል ውድብ መግብን ሕርሻን ኣብ ኤርትራ ሚስተር ስዒድ ባንሴ ብወገኑ፡ ድኽነት ንምጥፋእን ውሕስነት መኣዛዊ መግቢ ንምርግጋጽን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ሓረስቶት ልዑል ብቕዓት ዘለዎ ፍርያት ከቕርቡ ኣድህቦ ክወሃቦ፡ መንግስታት ንውሕስነት መግቢ ኣተኲሮ ዝህብ ፖሊሲታት ክነድፋ፡ ሓረስቶት ምስ ሕርሻዊ መጽናዕትታት ዘካይዱ ኣካላት ናይ ምስራሕ ዕድል ክረኽቡ፡ ካብ’ቶም ኣዝዮም ወሰንቲ ረቛሒታት ምዃኖም ኣገንዚቡ።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ሕርሻዊ ፍርያቶም ንምርኢት ዘቕረቡ ሓረስቶት፡ ወረቐት ምስክር ተዓዲሎም።