ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ብመሻርኽቲ ዝተለገሳ ንኣገልግሎት ኣምቡላንስን ተንቀሳቐስቲ ኣሃዱታት ሕክምናን (Mobile Clinics) ዝውዕላ 9 መካይን ተረኪቡ።
ነተን ብዩኒሰፍ ዝተለገሳ ሰለስተ ተንቀሳቐስቲ ኣሃዱታት ሕክምና ንምርኽኻብ፡ ብ15 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ብወገን ሚኒስትሪ ጥዕና ሚኒስተር ኣሚና ኑርሑሴን፡ ብወገን ዩኒሰፍ ድማ፡ ሓላፊት ቤትጽሕፈት ናይ’ቲ ትካል ኣብ ኤርትራ፡ ሚስስ ሻሂን ኒሎፈር – ኣብ’ቲ መረኻኸቢ ሰነድ ፈሪመን።
እተን ሽድሽተ ኣምቡላንሳት ድማ፡ ብኻልኦት መሻርኽቲ ዝተለገሳ ምዃነን፡ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እዘን ብመልክዕ ሓገዝ ተረኺበን ዘለዋ ኣምቡላንሳትን ተንቀሳቐስቲ ኣሃዱታትን፡ ንወፍሪታት ክታበታት፡ ህጹጽ መብጣሕትን ካልእ ኣገልግሎታት ጥዕናን ክውዕላ ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ።
ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን፡ እተን ካብ ዩኒሰፍ ዝተለገሳ ተንቀሳቐስቲ ኣሃዱታት፡ ኣብ’ቲ ብሰንኪ ራሕቂ ኣገልግሎት ጥዕና ዘይረክብ ከባቢታት ክዋፈራ ምዃነን፡ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት (ሸዘል) ክዉን ኣብ ምግባር እውን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ከምዝህልወን ሓቢራ።
ሓላፊት ቤት-ጽሕፈት ዩኒሰፍ ኣብ ኤርትራ፡ ሚስስ ሻሂን ኒሎፈር ብወገና፡ እተን ተሽከርከርቲ፡ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ክበጽሖ ኣብ ዘጸግም ቦታታት፡ ብሕልፊ ንኣደታትን ህጻናትን ኣገደስቲ ምዃነን ኣረዲኣ።
ምስ ሚኒስትሪ ጥዕና ብምትሕብባር፡ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓትን ኣድማሳዊ ሸፈነ ጥዕናን ኣብ ምስማር ክሰርሑ ዘለዎም ድሉውነት እውን ኣረጋጊጻ።