ኣብ ሃገራዊ መርመራ ካልኣይ ደረጃ ናይ ሰርቲፊኬት ነጥቢ ዘምጽኡ ኣባላት መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ናብ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት-ሳዋ ተጸንቢሮም ትምህርቶም ከምዝጀመሩ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ዓውድታት ትምህርቲ ናይ ምምራጽ መስርሕ፡ ዳይረክተር ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት መምህር ተስፋይ ተወልደ፡ ተመሃሮ ነቲ ዕድል ብዝግባእ ክጥቀሙሉ ብምዝኽኻር፡ ኩሉመዳያዊ ድልውነት ናይቲ ማእከል ኣረጋጊጹ።

ማእከል ሞያዊ ስልጠናታትሳዋ (ማ.ሞ.ስ.)፡ ብዓውድታት ህንጻ፡ ቴክኖሎጂ ህንጻ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ንግድን ምሕደራን ብዝሕቈፍ ዝተፈላለየ ዓውድታት፡ ናይ ክልተ ዓመት ሞያዊ ትምህርቲ ይህብ።

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ እቲ ማእከል፡ 1121 ተመሃሮ ካልኣይ ዓመት፡ ከምኡ’ውን 572 ደቂ- ኣንስትዮ ዝርከባኦም 1286 ናይ ቀዳማይ ዓመት ተመሃሮ፡ ብጠቕላላ 2407 ተመሃሮ ኣለውዎ።

Categories