ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ህዝቢ ዓመታዊ ኣስታት 7 ሚልዮን ናቕፋ ብምውጻእ፡ ንመማህራንን ኣብያተ-ትምህርትን ዝገብሮ ደገፍ፡ ኣብ ምሕያል መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ መምህር መሓመድ-ዓሊ ኢብራሂም ገሊጹ።
ተራ መማህራን ኣብ ብቕዓት ትምህርቲ ዝዘተየ – ብ5 ጥቅምቲ ኣብ ባረንቱ ዝተኻየደ፡ መማህራንን መሻርኽቲ ኣካላትን ኣብ ዝተሳተፍዎ ዘተ፡ መምህር መሓመድ-ዓሊ፡ መማህራን ዝተነብረሎም ሓላፍነት ምዅስኳስ መጻእቲ ወለዶታት ተገንዚቦም፡ ኣገልግሎት ትምህርቲን ውጽኢት ተመሃሮን ንምምሕያሽ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።
ኣቦ-መንበር ማሕበር መማህራን ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ መምህር ዮሱፍ ዳኒክ፡ ብቕዓት ትምህርቲ ብድምር ጻዕሪ ሕብረተ-ሰብ፡ ተመሃሮ፡ መማህራንን ኣካላት መንግስትን ዝረጋገጽ ደኣ ይኹን’ምበር፡ መማህራን ኣብ’ቲ መስርሕ ዝለዓለ ተራ ስለዘለዎም፡ ዓንቀጽቲ ነገራት ኣብ ምእላይ ክጽዕሩ ተላብዩ።