ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ወፍሪ ብምግባር ተረባሕቲ ዝኾኑሉ መንገዲ ንምፍጣር ዝዓለመ – ብ6 ጥቅምቲ ኣብ ቦሎኛ-ኢጣልያ ኣኼባ ተኻዪዱ።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣብ ኢጣልያ፡ ኣቶ ግርማይ ሃብተሚካኤል፡ ብዛዕባ‘ቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ኣብ ቁጠባ ሃገሮም ኣበርክቶ ንኽገብሩ ዝዓለመ ወፍርን ኣገባባቱን፡ ከምኡ‘ውን ወፍሪ ዝግበረሎም ጽላታትን ቅጥዕታትን ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ።

ኣቶ ግርማይ፡ ዓቕምን ትሕዝቶን ዜጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ቀጻሊ ረብሓ ዘለዎም ጽላታት ሕርሻን ምስናዕን፡ ንውሽጥን ንሰደድን ዓሊሞም ክሰርሑ ዕድላት ተራሕዩ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ብ ጀርመን ድማ፡ ካብ 21 ከተማታት ዝመጹ ሓለፍትን ወከልትን ማሕበረ-ኮማት ዝተሳተፍዎ፡ ንኤርትራዊ ውዳበታትን ልምዓታዊ መደባትን ዘደንፍዕ ኣኼባ፡ ብ5 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ተቓኒዑ።

ኣብ‘ቲ ኣኼባ፡ ኣብ ኣቃውማ፡ ተልእኾን ህሉው ኩነታትን ማሕበረኮማት ዓሚቚ ዘተ ድሕሪ ምክያድ፡ ንዘለናዮ መድረኽ ዝበቅዕ ምትዕርራይ ንምግባር፡ ውሁድ ኮማዊ ሓይሊ ንምፍጣር፡ ንብድሆታት ህንጸት ሃገር ብንቑሕ ተሳትፎ ንምግጣም. . . ዘኽእል ኣገባብ ኣሰራርሓ ንምትእትታው፡ ሓደ መርሓ-ጐደና ክዳሎ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።

ኣብ ኣውስትራልያ እውን፡ ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣቶ መሓሪ ተኸስተ፡ ብ5 ጥቅምቲ ንኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ብሪዝቤን ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ዜጋታት ማሎም ብምውፋር ተረባሕቲ ጸጋታት ሃገሮም ዝኾኑሉ ዕድላት ተጣጢሑ ብምህላዉ፡ ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።

Categories