ዓለማዊ መዓልቲ ብርሃን ዓይኒ፡ “ቀዳምነት ንብርሃን ዓይኒ” ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 9 ጥቅምቲ ኣብ ቀጽሪ ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን-ኦሮታ ተዘኪራ።

ኣብቲ ብኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን-ኦሮታ ዝተወደበ መደብ፡ ዲን ናይቲ ኮሌጅ ዶክተር የማነ ስዩም፡ ብመሰረት ናይ 2015 መጽናዕቲ፡ ኣስታት 253 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም ናይ ዑረትን ርእየትን ጸገም ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ፡ ነቲ ካብ 2014 ክሳብ 2019 ዝትግበር – ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝወጸ “ዓለም-ለኻዊ ምርግጋጽ ጥዕና ዓይኒ” መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ድማ ኣረዲኡ።

ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን ጥዕና ዓይኒ ንምውሓስ ብዕቱብ ዝሰርሓ ዘለዋ ሃገራት ምዃና ዝጠቐሰ ዶክተር የማነ፡ ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን-ኦሮታ፡ ሞያውያን ኣብ ምፍራይ፡ መጽናዕትታት ኣብ ምክያድ፡ ቀንዲ ጠንቂታት ዑረት ኣብ ምልላይ፡ ጥዕና ዓይኒ ዘውሕሱ ስልጠናታት ኣብ ምውዳብን ካልእን ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዋና ዳይረክተር ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን እውን፡ ኤርትራ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ዓይኒ ብዛዕባ እትገብሮ ዘላ ጻዕርታት ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ።

ኣብ’ቲ መደብ፡ ክውገድ ዝከኣል ዑረት ንምንካይ ኣብ ክንክን ሕሙማት ክግበር ብዛዕባ ዘለዎ ኣተኵሮን፡ ካልኦት ምስ ወፍሪ ምውጋድ ዑረት ኣብ ዝተሓሓዙ ዛዕባታትን ሞያዊ መብርሂ ቀሪቡ።

ዓለማዊ መዓልቲ ብርሃን ዓይኒ -10 ጥቅምቲ፡ ኣብ ሃገርና ንመጀመርያ – ብደረጃ ዓለም ድማ ንመበል 18 ግዜኣ ትዝከር ኣላ።

Categories