ኣብ ማእከል መባእታዊ ሞያዊ ስልጠናታት ኣቑርደት፡ ኣብ ለካቲት 2018ን ግንቦት 2019 ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ኮርስ ዝሰልጠኑ መንእሰያት፡ ኣብ ስራሖም ዝድግፎም ንዋታዊ ሓገዝ ተዋሂቡዎም።
እቲ ንዋታዊ ሓገዝ፡ ናይ ኤለክትሮኒክስ፡ ኤለክትሪክ፡ ስነ-መስኖ፡ ድራውሊኮ፡ ህንጻን ስርሓት ካይላን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ነቶም ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝሰልጠኑ መንእሰያት፡ ንመበገሲ ስራሕ ክሕግዞም ምዃኑ – ርእሰ-መምህር ናይቲ ማእከል መምህር ዑስማን ዓብዱ ገሊጹ።
ኣብቲ ማእከል ካብ ዝሰልጠኑ 438 መንእሰያት፡ እቶም 359 ብናጻ ሓገዝ ዝረኸቡ ምዃኖም ዝጠቐሰ መምህር ዑስማን፡ ገለ ካብኣቶም ድሮ ብተበግሶኦም ትካላት ከፊቶም ክነጥፉ ዝጸንሑ ምዃኖም ገሊጹ።
ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ኣሃዱ ምክትታል ሞያን ቴክኒክን መምህር መሓመድ ሓሰን፡ ሕብረተ-ሰብ ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣር ክተሓጋገዞም ተላብዩ።
እቶም ሰልጠንቲ፡ ብዝቐሰምዎ ሞያን ዝተገብረሎም ንዋታዊ ደገፍን ድሕሪ ምምስጋን፡ ነብሶም ኣማዕቢሎም ኣብ መደባት ሃገር ኣበርክቶ ንምግባር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።