ማእከል ጥዕና ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ተመሓላላፊ ሕማም ትራኮማ ንምቊጽጻር፡ ሓያል ጻዕሪ ተካይድ ኣላ።

ኣብ’ታ ማእከል – ክኢላ ሕክምና ዓይኒ መንእሰይ ስዩም ጉርጃ፡ ሕማም ትራኮማ ንምክልኻል ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ጠንቂ ሕማም ትራኮማ፡ ሳዕቤናቱን ኣገባብ ምክልኻሉን ኣስተምህሮታትን ጐስጓሳትን ከምእተወደበ፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ዚ ድማ መርመራታት ብምክያድ ዕዉት መደብ ይትግበር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ዛጊት፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ኢንገርነ፡ እንደራዬብ፡ ካርሸምላን ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ኣቑርደትን፡ ዕዉት ወፍሪ ከምእተኻየደ፡ ኣብ’ተን ዝተረፋ ምምሕዳራት ከባቢ ድማ ክቕጽል ምዃኑ ዝጠቐሰ መንእሰይ ስዩም፡ ሕብረተሰብ ባህላዊ ፍወሳ ወጊድ ኢሉ ናብ ትካላት ጥዕና ክመጽእ ኣተሓሳሲቡ።

Categories