ሎሚ መበል 58 ዝክረ ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነት እዩ። ባሕቲ መስከረም 1961፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 40ታትን 50ታትን ንመሰል ርእሰ ውሳነኡ ዘካየዶ ሰላማዊን ፖለቲካዊን ቃልሲ ጸማም እዝኒ ምስ ተዋህቦ፡ ዝተነፍጎ መሰል ብቕልጽሙ ኬረጋግጽ፡ ንነዊሕን መሪርን ሓርነታዊ ኲናት ዝነቐለላ ዕለት እያ።

በዛ ታሪኻዊት ዕለት’ዚኣ ዝፈለመ ብረታዊ ቃልሲ፡ ን30 ዓመታት ዝኣክል ብኣዝዩ ጽንኩርን ፈታንን መድረኻት ሓሊፉ፡ ብዙሕ መስዋእቲ ተኸፊልዎ፡ ኣብ 1991 ናጽነት ጋህዲ ዝገበረ፡ ኣብቲ ረዚን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ደሚቑ ዝለዓል ዓቢ ምዕራፍ እዩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም፡ ፍሉይ ዝገብራ፡ ልክዕ ከም 1991፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ልኡላውነቱ ንምቕልባስን ህንጸት ሃገሩ ንምኹላፍን ዘንቀደ ካብ ቅሉዕ ወተሃደራዊ ወራር ክሳብ ዝተፈላለየ ስውርን ግሁድን ሽርሒታት ኣበርዒኑ፡ ጻማ ጽንዓቱ ብዓወት ወጺኡ ናብ ሓድሽ መዋእል ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን ትዝከር ምህላዋ እዩ።

ባሕቲ መስከረም፡ ቀዳሞት ኤርትራውያን ተጋደልቲ፡ ሰንደቕ ሃገራዊ ቃልሲ ብምልዓል፡ ሕድገት ዘየፍቅድ ቁርጺ ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ዘግሃዱላ ዕለት እኳ እንተነበረት፡ ከም ዝኾነ ታሪኻዊ መስርሕ፡ እቲ ገድሊ ካብ ፈለማ፡ ዓወት ዘጓናጽፍ ብቕዓት ኣማሊኡ ኣይነቐለን። ኣብ መስርሕ ውሽጣዊ ቃልሲ ዝተፈጥረን ዝማዕበለን መሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ግን፡ ነቲ ጉዕዞ ቅኑዕ መኣዝን ብምትሓዝ፡ ንመላእ ህዝቢ ዜስመረን ሓድነቱ ዜትረረን ሰፊሕ ናይ ቃልሲ ባይታ ብምፍጣር፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ዓለምና ክኸውን በቒዑ፡ ብተኣምራታዊ ቅያታትን ጅግንነትን ድማ ናጽነት ኣምጺኡ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽላል ህዝባዊ ግንባር ተጠርኒፉ ኣብ ዘካየዶ ኩሉ ጎድናዊ ቃልሲ፡ ስነሓሳብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰረቱ፡ ወርቃዊ መትከላትን ክብርታትን ክዅስኩስ ክኢሉ እዩ። ኣብ መንጎ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖት፡ ጾታ፡ ቀቢላ፡ ቋንቋ፡ ባህሊን ማሕበራዊ ቦታን፡ ልዑል ስኒትን ጥምረትን ብምንዳቕ፡ ዜጋታት ከም ዕላማ ዝወስድዎ፡ ዝኣምንሉ፡ ዝምርሕሉ፡ ዝከላኸልሉን ዝስውኡሉን መትከላት ብምምዕባል፡ ኣብ ገዛእ ዓቕሙ ልዑል ምትእምማን ዘለዎ፡ ብርቱዕ ህዝባዊ ስነኣእምሮ ክፈጥር በቒዑ። ነቲ ዓለም ዘይከኣል ዝበለቶ ቃልሲ ኣንጻር ሓያላን ከምዝከኣል ዝገበረ ከኣ እዚ ክብርታት’ዚ እዩ።

እዚ ኣብ ሓርነታዊ ኲናት ዝተዀስኰሰ ክብርታት’ዚ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ኣብቂዕዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ናጽነት እውን ናብ ተረካቢ ሕድሪ ወለዶ ሰጊሩ፡ ኣብ ምውሓስ ልኡላውነትን ህንጸት ሃገርን ደጊሙ ታሪኽ ይሰርሕ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ክሊ ግጉይ ፖሊሲታት ዓበይቲ ሓይልታት ዓለምና፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝተሃቀነ ገዚፍ ወራር፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊ፡ ፕሮፖጋንዳዊ፡ ጸጥታዊን ቁጠባዊን ተጻብኦታትን ሽርሒታትን፡ ብቐሊል ዝግመት ኣይነበረን። ነዚ መኪቱ ብኣንጸባራቒ ዓወት ክወጽእ ዘኽኣሎ ጸጋ ድማ፡ ብቐንዱ እቲ ኣብ ሓርነታዊ ኲናት ዝዀስኰሶ ሃገራዊ ክብርታት እዩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ባሕቲ መስከረም፡ ዝሓለፈ ክልተ ናይ መኸተ መዋእል ብጽንዓት ሰጊርና፡ ሰላምናን ሃገራዊ ክብረትናን ኣውሒስና፡ ብምሉእ ሓይልና ናብ ገዚፍ ልምዓታዊ ስራሕን ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየትን ኣብ እንሰጋገረሉ መድረኽ እያ ትኽበር ዘላ። ካብ ተሞኩሮ ሓርነታዊ ቃልሲናን ናይ ድሕሪ ናጽነት ታሪኽናን ከምእንግንዘቦ ውሕስነት ህላወን ቀጻልነትን ጥራይ ዘይኮነ ምንጪ ዕብየትን ምዕባለን ሓደ ሕብረተሰብ እውን ብቐንዱ ሃገራዊ ጥምረት፡ ፖለቲካዊ ብቕዓትን ንቕሓትን እዩ።

ከምዝፍለጥ ናይ መወዳእታ ዕላማ ናይቲ ብባሕቲ መስከረም ዝፈለመ ሓርነታዊ ሰውራና፡ ህዝቢ ኤርትራ ማዕረ’ቲ ንናጽነቱ ዘካየዶ ጽኑዕ ገድሊን ዝኸፈሎ ክቡር መስዋእቲን፡ ብፍትሒን ማዕርነትን ዝነበበረላ ስልጥንቲ ሃገር ምህናጽ እዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ኣብ ማዕርነትን ስኒትን ዝተመስረተት ሓያልን ብልጽግቲን ሃገር ብምህናጽ፡ ማዕረ ዘሐብን ታሪኽና ኮይንና ክንርከብ ናይዚ ሓድሽ መዋእል ቀንዲ ተልእኾና እዩ። ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ከኣ፡ እቲ ኣብ ነዊሕን መሪርን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝዀስኰስናዮ፡ ምስጢር ሓይልና፡ ብቕዓትና፡ ጥምረትና፡ ዜሕብን ሃገራዊ ታሪኽናን ቅያታትናን ዝኾነ ባህልን ክብርታትን ብቐጻልነት ዓቂብናን ኣማዕቢልናን ናብ ልምዓት ንምቕንዑ ቃልና እነሐድሰሉ ኣጋጣሚ እዩ። ክብሪን ሞጎስን ነቲ ዘይከኣል ክኢሉ ናብ ሓድሽ መዋእል ተሰጋጊሩ ዝርከብ ስሙርን ንቑሕን ህዝቢ ኤርትራ!

Categories