ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ 22 ነሓሰ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣቦመንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ሌተና ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብጺሑ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መልእኽቱ፡ ንህዝቢ ሱዳን ስለ’ቲ ዘመዝገቦ ታሪኻዊ ዓወት ዮሃናኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ምምዕባልን ምዕዛዝን ክልተኣዊ ዝምድናን ዞባዊ ምትሕብባርን እወታዊ ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።
ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ኣቦ-መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ምድልዳል ዝምድና ምስ ኤርትራ እምነኵርናዕ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሃገሩ ምዃኑ ብምንጻር፡ ዞባዊ ምትሕብባር ንምሕያል፡ ሱዳን ምስ ኤርትራ ብውህደት ከምእትሰርሕ ኣረጋጊጹ።
ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ዶክተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዝገበሮ ተመሳሳሊ ርክብ፡ ኣብ ሱዳን መጺኡ ዘሎ እወታዊ ለውጢ ንዝፈጠሮ ሰፊሕ ዕድላት፡ ንረብሓ ምድንፋዕ ኩሉ-መዳያዊ ክልተኣዊ ምትሕብባርን ዝምድናን ንምውዓሉ፡ ብክልቲኡ ወገን ንዘሎ ድሉውነት ኣረጋጊጾም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ፡ ግጭታት ብምውጋድ ሰላም ምርግጋጽ ቀንዲ ቀዳምነት ሱዳን ምዃኑ ብምሕባር፡ ናይ ኤርትራን ኩለን ጐረባብቲ ሃገራትን ሓገዝ ከይፍለዮም ተማሕጺኑ።