ወግዓዊ ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ – ሳዋ ብምዕሩግ ኣገባብ ተኻዪዱ

ወግዓዊ ጽምብል ብሩራዊ እዮቤልዩ ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን መመረቕታ መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሒን፡ ወለድን ዕዱማትን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ “ሳዋ – ዕቱብ ምርጫ ንውሑስ መጻኢ” ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 2 ነሓሰ ብምዕሩግ ኣገባብ ተኻዪዱ።

ኣ ቦ – መ ን በ ር ኣወሃሃዲ ሽማግለ ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ – ኮሎኔል እዝራ ወልደገብረኤል፡ ሕመረት ቁምነገር መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንስለ ህላወ ክብረትን ልምዓትን ሃገር ድልውነቱ ዘረጋገጸን፡ ሓባራዊ ኣተሓሳስባ ዝውንንን ዜጋ ምቕራብ ምዃኑ፡ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንትግባረ ናይዚ መደብ ዘርኣዮ ተሳታፍነት ድማ መዘና ከምዘይነበሮ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ከይተሓለሉ ንዝጸዓቱ ኣዘዝቲን ስታፋትን ዓለምትን፡ ከምኡ’ውን ካብ ጐድኒ’ቲ መዓስከር ከይተፈልዩ ደገፎም ን ዘ ወ ፈ ዩ መ ሻ ር ኽ ቲ ም ስ ጋ ና  ኣቕሪቡ።

እቲ ጽምብል፡ ንብቕዓት ናይቶም ሳዋ ኣብ ጒዕዞ 25 ዓመታት ዘፍረየቶም መንእሰያት ኣብ ኩሎም መዳያት መኸተን ልምዓትን ብዝምስክር፡ ንሓይሊታት ምድሪ፡ ባሕሪ፡ ኣየር፡ ፖሊስን ጸጥታን፡ ከምኡ’ውን ፍሉያት ሓይልታትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝውክል፡ ብናይ ክብሪ ሰላምታ ዝተሰነየ ምርኢት ነፈርቲ፡ ሄሊኮፕተራት፡ ታንክታት፡ ድሩዓት መካይን፡ ፈጣናት ጀላቡ፡ ረሻሻትን ከቢድ ብረትን ደሚቑ ነይሩ።

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ተመረቕቲ – ከም ኩሎም ዝሓለፉ ዙርያታት፡ ንዓመት መመላእታ ክወሃቦም ዝጸንሐ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራውን ኣካዳሚያውን መደባት ብግቡእ ቀሲሞም፡ ብኣእምሮን ኣካልን ደልዲሎም፡ ብዲሲፕሊን ተሃኒጾም፡ ክቐስምዎ ብዝግብኦም ክብርታት ሕብረተ-ሰብና ተዀስኲሶም ይምረቑ ምህላዎም ገሊጹ። ብጨመተ ተዂሲ – ኣብ ዝሓለፈ 31 ዙርያታት ንዝነበረ ክብረወሰን ከምዝሰበሩ ብምጥቃስ ከኣ፡ ደቂኣንስትዮ ንዘርኣያኦ ጸብለልታ ሞጒሱ።

ሳዋ – ሃገራዊ ተልእኾ ንኽዕወት ብዘይምቁራጽ ኣብ 32 ዙርያታት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን መንእሰያት ተቐቢላ ከምዝመልመለት ዝሓበረ ኮሎኔል ደበሳይ፡ “ብስራሕን ቃልስን መኪትና፡ ዝተበገስናሉ ዕላማ ወቒዕና ኣሎና” ክብል ገሊጹ።

ኣቲ ወግዓዊ ጽምብል፡ ንተራን ኣበርክቶን ሳዋን መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ምዂስኳስ ኤርትራዊ መንነት፡ ሓባራዊ ኣረኣእያ፡ ሓድነት፡ ከምኡ’ውን መደባት መኸተን ልምዓትን ብዘንጸባርቕ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ደሚቑ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ብደረጃ ኣሃዱን ውልቂን ንዝተዓወቱ ሽልማት ድሕሪ ምዕዳል፡ ኣባላት 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቃለ-ማሕላ ፈጺሞም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንኹሎም’ቶም ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ብጅግንነት ዝተሰውኡን ብኣብነታዊ ሓርበኛነት ኣብ ልምዓታዊ ተልእኾ ዘሕብን ኣበርክቶ ዝገበሩን – ሞሳ፡ ንተመረቕቲ 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተመረቕቲ 10ይ ኮርስ ማሞስን ድማ “ዮሃና” ኢሉ። እዚ ዕዙዝ ኣጋጣሚ፡ ኣብ መፈለምታ ሓድሽ መዋእል ይጽምበል ብምህላዉ፡ ናይ ርብዒ ዘመን ተመኲሮ ብደቂቕ ገምጊምና፡ ንዝሓየለ መኸተ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክንምርሽ ዕጥቅና ሸጥ እነብለሉ ከምዝኾነ ጠቒሱ ድማ፡ “ጽባሕ እውን ከም ትማሊ፡ ዓወት ናትና እዩ” ክብል ኣገንዚቡ።

ከም ኣካል ናይ’ዚ ንሰለስተ መዓልታት ዝቕጽል ጽምብል፡ ብዝተፈላለየ ዓውደሞያታት ንክልተ ዓመታት ክስልጥኑ ዝጸንሑ ተመሃሮ 10ይ ዙርያ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት፡ ሎሚ ቀዳም 3 ነሓሰ ክምረቑ እዮም።

Categories