ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን ጀርመንን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ መደባት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ኣብ ዞባ ፋሉጅ ንዝርከቡ ኤትራውያን ሰሚናር ኣካዪዱ።

“ህዝባዊ ግንባር፡ ውጽኢት ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ” ዝበለ ኣምባሳደር ዮውሃንስ፡ እዚ ፖለቲካዊ ሓይሊ’ዚ፡ ኣንጻር ሃገራዊ ክብረትን ሓድነትን ንዘንቀዱ ሕብረ-ብዙሓዊ ተጻብኦታት፡ ምስ ህዝቡ ኣብ ቅድመግንባር ተሰሊፉ ዘበርዓነን ዝሰዓረን፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ድማ መደባት ሃገራዊ ልምዓት ንምዕዋት ብምሉእ ሓይሉ ተላዒሉ ዘሎን ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ጥርናፈታቶም ኣደልዲሎምን ዓቕሚታቶም ኣወሃሂዶምን፡ ነዚ ዕላማ’ዚ ንምስማር ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ድማ ኣዘኻኺሩ።

እቶም ዜጋታት ኣብ መወዳእታ፡ ጥምረቶምን ውዳበኦምን እተስፍሕ 10 ዝኣባላታ ሽማግለ ኣቚሞም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ጀርመን ዝነጥፍ – “ማሕበር ኤርትራውያን 20 ሰነ – ኣሻፋንበርግ”፡ ስድራ ስዉኣትን ስንኩላንን ንምድግጋፍ፡ ከምኡ’ውን ኣባላቱ ኣምባሳደራት ሃገር ኮይኖም ክብርታትን መንነትን ኣብ ምዕቃብ ብዝሓየለ ክነጥፉ፡ ምስሊ ሃገሮምን ባህሊ ህዝቦምን ንምንጽብራቕ ኣብ ዘካየዱዎ መደብ ኣረጋጊጾም።

Categories