ካብ ኣስመራ ናብ ከረን ትጐዓዝ ዝነበረት ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጐዓዝያ እትነጥፍ ኣውቶቡስ፡ ብ1 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ብምግምጣላ፡ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ፡ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኤርትራ ሓቢሩ።
በቲ ኣብ ከባቢ ዓዲ-ተከሌዛን – ‘ድግድግ’ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ መራሕ ኣውቶቡስ ዝርከቦም 12 ሰባት ቈሲሎም፡ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ተዓቚቦም ኣለዉ።
እታ ቊጽሪ ሰሌዳ ER-3-A-1960 ዝሰቐለት ኣውቶቡስ፡ 43 ሰባት ኣሳፊራ ምንባራ፡ ጠንቂ’ቲ ሓደጋ ድማ ናይ ፍሬኖ ጸገም ክኸውን ከምዝኽእል፡ ኣፈናዊ መርመራ ፖሊስ ይጠቅስ።
ፖሊስ ትራፊክ፡ ሂወት ሰብ ንምድሓን ብህዝቢ ዓዲ-ተከሌዛን ንዝተገብረ ምትሕብባር ሞጒሱ።