ብምውህሃድ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ሆስፒታል ናቕፋን፡ ካብ ንኡስ ዞባ ናቕፋን ርሑቕ ከባቢታት ንኡሳን ዞባታት ኣዶብሓን ቅሮራን ንዝመጹ – ናይ ምርኣይ ጸገም ዝነበሮም 136 ዜጋታት፡ ዕዉት መብጣሕቲ ዓይኒ ተኻዪዱ።
ነቲ ካብ 20 ክሳብ 28 ሓምለ ዝተኻየደ መደብ ዝመርሐ ዶክተር ሳሙኤል ከበደ፡ እቲ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ዝተኻየደ ናይ ዓይኒ መብጣሕቲ፡ ኣቐዲሙ ሳላ ዝተገብረ ጐስጓስ ዕዉት ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ ንልዕሊ 1600 ዜጋታት እውን መርመራ ዓይኒ ተገይሩሎም መነጽርን መድሃኒትን ከምእተዓደሎም ገሊጹ።
መዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ናቕፋ፡ ኣቶ ምሕረትኣብ ኣስገዶም፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ሕማማት ዓይኒ ብብዝሒ ከምዝርአ ጠቒሱ፡ እቲ ንኣስታት 10 መዓልታት ዝተኻየደ ናይ ምርኣይን መብጣሕትን ወፍሪ፡ ነቲ ጸገም ኣብ ምቅላል ውጽኢታዊ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ዜጋታት ካብ ዘይተደልየ ሃልኪ ግዜን ገንዘብን ከምዝደሓኑ ሓቢሩ።