ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ እትርከብ መደበር ፈልሲ፡ ሽፋን መሬት ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ ጽቡቕ ኣበርክቶ ትገብር ከምዘላ ነበርቲ ገሊጾም።
እታ መደበር ፈልሲ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ቀላጥ ቦታታት ንምግራብ፡ ኣብ ኣባይቲ ዝትከል ፈልሲታት ገረብ እውን ብናጻ ከምእትዕድል ሓቢሮም።
ክኢላ ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ኣቶ ወልዱ ገብረዮሃንስ፡ እታ መደበር ፈልሲ ሎሚ ዓመት፡ ንትካላት መንግስቲ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ሃይማኖታዊ ቦታታት፡ ውልቀ ገረብትን ሕሩም ሕዛእትን ዝኸውን ናይ 12 ዓይነታት ገረብ – ኣስታት 132 ሽሕ ፈልሲታት ከምዘዳለወት ሓቢሩ።
ውልቀ ገረብቲ ዝወስዱዎ ፈልሲታት፡ ልዑል ጥንቃቐን ክንክንን ስለዝገብሩሉ፡ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ወልዱ፡ ማሕበራትን ኮምን ተመሳሳሊ ኣተሓሕዛ ከዘውትሩ ተላብዩ።
ዓድታት ኵዶፈላሲ፡ ደርዓንቶ፡ ዓዲኣማኒኤልን ዓዲ-ወግሪን ዝርከባአን ዓድታት’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ብዝገበራኦ ክንክን ከምእተሸለማ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።