ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብ29 ሓምለ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዘቃነዖ መንፈቓዊ ገምጋም ስራሕ፡ መደባት ምሕጋዝን ምጥያስን ጽጉማት፡ ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዘርኣየ ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣመሓዳሪ ዞባን ዝተረኽቡሉ ገምጋም፡ ኣብ መዳያት ማሕበራዊ ድሕነት፡ ማሕበራዊ ውሕስነትን ዕዮን ናይ ዝተዓሙ ንጥፈታት ጸብጻባት ክቐርቡ እንከለዉ፡ ዝተወጠኑ መደባት ንምዕዋት ኣብ ዝሕግዙ ርእይቶታትን ሓሳባትን ዘተ ተኻዪዱ።
ኣብቲ ጸብጻብ፡ 30 ስድራ-ቤታት ብዋጋ 300 ሽሕ ናቕፋ ብጥሪት ከምእተጣየሳ፡ ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ድማ ንኣለይቲ ስድራ ደቂ-ኣንስትዮ ሞያዊ ስልጠናታት ይወሃብ ከምዘሎ በሪሁ።
ኣብ ርእሲ’ቲ መንግስቲ ንስድራ ስዉኣት ዝገብሮ ሓገዛት፡ ትካላትን ውልቀ ሰባትን በብእዋኑ ዝወስድዎም ዘለዉ ተበግሶታት ክተባብዑ ከምዝግባእ እውን፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።
ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወ/ሮ ልኡል ገብረኣብ፡ ኣቀማምጣ ናይ’ቲ ዞባ፡ ራሕቂ ዓዲታትን ጽንኩርነት ክሊማን ተጻዊሮም ንትግባረ መደባት ንዝነጥፉ ዘለዉ ድሕሪ ምምጓስ፡ ስራሓት ማሕበራዊ ውሕስነት ብዝለዓለ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢራ።