ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ዝወሃብ ዘሎ ትምህርቲ ምምራሕ መኪናን ሞቶር ብሽክለታን፡ ናይ ግዜ ምምጣጥን ወጻኢታት ምውሳኽን ግዳይ ይገብሮም ከምዘሎ ብምምልካት፡ ኣገባቡ ክቕየር ተፈተንቲ ሓቲቶም።
እቶም ናይ 2ይን 3ይን መምርሒ ፍቓድ ተፈተንቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ እቲ ፈተና ዓመት ምሉእ ተጸቢኻ፡ ንሱ’ውን ኣብቲ ዝተወሰነሉ ግዜ ይካየድ ብዘይምህላዉ፡ ኣብ’ቲ ዝተሓበሮም ዕለትን ኣብ ዓመት ክልተ ግዜን ክኸውን ተማሕጺኖም።
መማህራን ትምህርቲ ምምራሕ መኪና ብወገኖም፡ ዝበዝሑ ተመሃሮኦም ኣብ ክንዲ ረጊኦም ዝመሃሩ፡ ፈተና ኣብ ዝቀራረበሉ እዋን ሸበድበድ ከምዝብሉ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ምድንጓያት ከምዝፍጠር ብምጥቃስ፡ እቲ ጉዳይ ክሕሰበሉን ብደረጃ ዞባ ዝነጥፉ ናይ ቴክኒክ ክኢላታት ክምደቡን ርእይቶ ሂቦም።
ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ መጐዓዝያን መራኸቢታትን ዝነጥፋ – 5 ትካላት ትምህርቲ ምምራሕ መኪና ክህልዋ እንከለዋ፡ ሎሚ ዓመት 15 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ፈተና፡ ን2ይን 3ይን መምርሒ ፍቓድ ልዕሊ 450፡ ንሞቶር ሳይክል ድማ 10 ተመሃሮ ተሳቲፎም።