ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ኣብ መስመር ሓጋዝ-ዳዕሮታይ፡ ንርእየት ተሽከርከርቲ ከጸገም ዝጸንሐ ኣግራብ ተምሪ ሙሳ፡ ኣባላት መደበር ፖሊስ’ቲ ንኡስ ዞባ ብዝወሰዱዎ ተበግሶ ተኣልዩ።
ኣዛዚ ናይ’ቲ መደበር ተለንተ ዛይድ ተስፋዝጊ፡ እቲ ስራሕ ኣብ’ቲ መስመር ንኽልተ ጫፋት ናይ’ቲ ጽርግያ ዓጽዩ ዝጸንሐ ገረብ ተምሪ ሙሳ ብምእላይ፡ ድሕነት ትራፊክ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።
ብኻልእ ወገን፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓድ-ዑመር፡ ብጋንታታት ማእቶት ተወዲቦም 200 ሄክታር ክዛልዩ እንከለዉ፡ ን10 ስድራ-ስዉኣት ኣብ ማሕረስ ከምዝሓገዙ ተፈሊጡ።
ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ግላስ ብወገኖም፡ ምስ ምጅማር ክራማት ኣስታት ሓደ ኪሎ ሜተር ዛላታትን 240 ሜተር ኲዩብ ከትርታትን ክሰርሑ እንከለዉ፡ ኣብ ከባቢ ፋር ኣለባ እትርከብ ራህያ ጸጊኖም።