ብርትዓዊ ዋጋ ዝተመደባሎም ትራክተራት፡ ንጥፈታቶም ብጽቡቕ ከሰላስሉ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበራ፡ ሓረስቶት ንኡሳን ዞባታት ላዕላይ-ጋሽን ሻምብቆን ሓቢሮም።
ኣቐዲሞም ዝተፈላለየ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስ ምጅማር ክራማት ብዘለዎም ያታዊ ናውቲ ገራሁኦም ክሓርሱ ከምዝጀመሩ ዝገለጹ እቶም ሓረስቶት፡ ምስ ምምጻእ መንግስቲ ዝመደበን ትራክተራት፡ ስሉጥን ጽፉፍን ኣገልግሎት ከምዝረኸቡ ኣረዲኦም።
እተን ንሰዓት ካብ 300 ክሳብ 350 ናቕፋ ብምኽፋል ዝሓረሳሎም ትራክተራት፡ ኣብ ስራሖም ዓቢ ፍታሕ ከምዝገበራ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ዝተራእየ ምድንጓይ ግን፡ ኣብ መጻኢ መአረምታ ክግበረሉ ኣተሓሳሲቦም።
ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ላዕላይ-ጋሽ ኣቶ ገብረመድህን ኪዳነን ሓላፊ ኣሃዱ ቁጠባዊ ልምዓት ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ኣቶ በረኸት መሓሪን፡ ንንኡስ ዞባ ላዕላይ-ጋሽ ዝተመደባ ትራክተራት 19፡ ንንኡስ ዞባ ሻምብቆ ዝተመደባ ድማ 50 ምዃነን ብምሕባር፡ ንጥፈታት ማሕረስ ኣብ ሓጺር እዋን ንምዝዛምን ዝሕረስ መሬት ኣብ ምስፋሕን ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝገበራ ገሊጾም።