ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ኣብ ወቕቲ ክራማት ዝቀላቐሉ – ከም ዓሶን ማይ-ወለድ ሕማማትን ዝኣመሰሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻል፡ ተራ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ተራ ወነንቲ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ድማ ብፍላይ ክዓዝዝ፡ ኣብ ሆስፒታል ተሰነይ ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና ኣቶ ዓወት መብራህቱ ጸዊዑ።

ንኣስታት 500 ወነንትን ሰራሕተኛታትን ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝሃቦ ኣስተምህሮ፡ ኣቶ ዓወት፡ ጽሬቱ ዘይተሓለወ ኣከባቢ ምቹእ ሰፈር ምርባሕ ጣንጡን ካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ስለዝኾነ፡ ትካላት ትሕዝቶአንን ከባቢአንን ብጽፈት ክሕዛ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝርአ ማይ-ወለድ ሕማማት ምስ ምንቅስቓስ ህዝቢ ነተን ኣብ ዶባት ዝርከባ ዓድታት ብቐዳምነት ስለዝጸሉ፡ ሕብረተሰብ ብንቕሓት ክነጥፍ ተላብዩ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ህዝብን ትካላት ጥዕናን ተወሃሂዶም ሳላ ዝሰርሑ፡ ብሰንኪ ሕማም ዓሶ ክስዕብ ዝጸንሐ ሞት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝወረደ ብምጥቃስ ድማ፡ ሕማማት ዓሶን ከርፈስን ንኸይደግሱ፡ መድሃኒት ጸረ ጣንጡ ናይ ምንጻግ መደብ ይሰላሰል ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ኣቶ ስዩም ገብረኢየሱስ፡ ጽሬት ከባቢ ኣብ ምርጋግጽ ጥዕና ዜጋታት ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ህዝባዊ ወፈራ ጽሬት ከምዝቕጽሎ፡ ኣብ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት እውን ዕቱብ ምክትታል ክግበር ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ’ታ ከተማ ማይ ዝዓቊር ጐዳጉዲ ብሓገዝ ማሽነሪ ክደላደል ብምዝኽኻር፡ ጽሬት ትካላቶም ንምርግጋጽ ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

Categories