“ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ብዝብል ቴማ ብ25 ሓምለ ብኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም – ቀጽሪ ሓደ ልቢ ዝተኸፍተ መበል 21 ዓመት ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገራት ስካንድናቪያ፡ ብ28 ሓምለ ብልዑል ማዕርግ ብዓወት ከምእተዛዘመ፡ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ሓቢሩ።

እቲ ካብ መላእ ሃገራት ስካንድናቪያን ኤውሮጳን ዝመጹ ልዕሊ 10 ሽሕ ዜጋታት፡ ከምኡ’ውን ዕዱማት ኣጋይሽ ዝተሳተፉዎ ፈስቲቫል፡ ሞያዊ ኣስተምህሮታት፡ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መደባት፡ ስእላዊ ምርኢት፡ ቁሸታት ገድልን ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ህሉው ኩነታት ዘተኰረ ሰሚናራትን ካልእ መሰናድኦታትን ዘጠቓለለ ነይሩ።

ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ንህሉው ኩነታት ሃገርናን መጻኢ መደባት መንግስትን፡ ከምኡ’ውን ዞባዊ ምዕባለታት ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምቕራብ፡ ብተሳተፍቲ ኣብ ዝቐረቡ ሕቶታት መብርሂ ሂቡ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ሓላፊ ማእከል ካርታን ሓበሬታን ጆመትራ ኮሎኔል ጌታቸው መርሃጽዮን ብወገኑ፡ ንቐዳምነታት መደባት ሃገራዊ ልምዓትን ትግባረ ናይ ነዊሕን ቀረባን ውጥናትን ዝምልከት፡ ብካርታን ስእልን ዝተሰነየ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣቕሪቡ።

ካልኦት ሞያውያንን ስነጥበባውያንን እውን፡ ኣብ ክንክን ጥዕና፡ ታሪኽ፡ ኣብ ባህሊን ካልእ ዓውድታትን ኣስተምህሮታት ሂቦም።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ሃገራዊ ምትእኽኻብ፡ ንዕዉታት ውድድር ሽንግርዋ ሽልማት፡ ንተሳተፍቲ ሃገራት፡ ዞባታት፡ ኮማትን ማሕበራትን፡ ከምኡ’ውን ቁሸት ገድሊን ቁሸት ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ናይ ተሳትፎ ወረቐት ምስክርን ታርጌታን ተዓዲሉ።

Categories