ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ትምህርታዊ ገስጋስ ንምሕያል፡ ሕብረተ-ሰብ፡ ኣካላት መንግስትን ካልኦት መሻርኽትን ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ፡ ኣብ ዓመተትምህርቲ 2018/2019 ዝተኻየደ ንጥፈታት ንምግምጋም፡ ብ20ን 21ን ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።
“ኣብ ትምህርቲ እንገብሮ ወፍሪ፡ ናይ መጻኢ ዕድላት ደቅና ዝውስን’ዩ” ዝበለ ሓላፊ ጨንፈር ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣቶ ክፍላይ ዓንደሚካኤል፡ ስልጥንቲ ሃገርን ስልጡን ሕብረተ-ሰብን ብትምህርቲ ስለዝረጋገጽ፡ ኩሉ ዜጋ ተሳታፍነቱ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ከዕቢ ተላብዩ።
ቀረብ ጸዓት ዘይምምልኡ፡ ዘይምጥርናፍ ዓድታት፡ ራሕቂ ኣብያተትምህርቲ፡ ሰበኽ ሳግማዊ መነባብሮን ግቡእ መሳለጥያታት ትምህርቲ ዘይምህላዉን፡ ካብቶም ንመስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝሃስዩ ዘለዉ ምዃኖም ክግለጽ እንከሎ፡ ንምምሕያሾም ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ክሕይል መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ዘሎ ድኻማትን ሕጽረታትን ተፈዊሱ መሰረታዊ ለውጢ ንኽመጽእ፡ ስሉሳዊ ዝምድና ቤት-ትምህርቲ፡ ወለድን ተመሃሮን ክሕይል፡ ምጥርናፍ ዓድታት ድማ ክድፈኣሉ ኣተሓሳሲቡ።