ብምኽንያት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ኣብ ኣስመራ – ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ዝወደቡዎ ሰሚናራትን ናይ ጽሬት ወፈራን ተኻዪዱ።
ትማሊ 23 ሓምለ ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ወፈራ ጽሬት፡ ካብ ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብያተ-ማእሰርትን ተሃድሶን፡ ክፍሊ ኢምግረሽንን ዜግነትን፡ ከምኡ’ውን ኣሃዱታት ጸጥታ ዝተዋጽኡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ተሳቲፎም።
ወደብቲ ወፈራ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ እቲ መደብ ኣካል ናይቲ ብደረጃ ሃገር በብከባቢኡ ዝጽምበል ዘሎ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ፡ ነተን ኣብ ጽሬት ከተማና ዝተዋፈራ ሰራሕተኛታት ክብርን ኣፍልጦን ንምሃብ እውን ምዃኑ ገሊጾም።
ንኣድማዕነት እቲ ስራሕ፡ ኣሃዱ ጽሬት ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ናይ ጐሓፍ ዓበይቲ ማካይን ኣሳቲፉ።
ኣቐዲሙ ብ15ን 16ን ሓምለ፡ ንታሪኽ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዓለም፡ ከምኡ’ውን ትርጉምን ዕላማን ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ – ዝገልጽ ሰሚናራት፡ ንኣባላት ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ከም እተኻየደ ተፈሊጡ።