ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ – ምምሕዳር ከባቢ ደግራ-መሬቶ ዝተሰርሐት ዲጋ፡ ኣገልግሎት ክትህብ ከም ዝጀመረት፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ ክኢላ ልምዓት መስኖን ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣቶ መንግስትኣብ ደበሳይ ሓቢሩ።
እዛ ብተሳትፎ ነበርቲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተዛዘመት ራህያ፡ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ንምህብታምን ምንጪ ዝስተ ማይ ጥሪት ንምውሓስን ኣስተዋጽኦ ከምእትገብር ዝገለጸ ኣቶ መንግስትኣብ፡ ማይ ክዖታታ ብወፈራታት ይፍወስ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ትሕቲ’ታ ራህያ 300 ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬትን ብርክት ዝበላ ዒላታትን ስለዘሎ፡ ኣብ ልምዓት ጀራዲን ኣበርክቶ ክህልዋ እምነቱ ገሊጹ።