ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽድሽተ ኣዋርሕ ዝተሰላሰለ መደባት ማሕበራዊ ድሕነት፡ ጽቡቕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ተገሊጹ።
ኣብ’ቲ ብ18 ሓምለ ኣብ ባረንቱ ዝተገብረ ገምጋም፡ ኣብ 16 ንኡሳን ዞባታት ዝተተግበረ መደባት ምጥያስ ጽጉማት ዜጋታት ብዓይነት፡ ዝተኸፍተ ናይ ልቓሕ ዕድላት፡ ምእላይ ዘኽታማት፡ ምሕጋዝ ብባህርን ሰብ-ሰርሖን ሓደጋታት ዝተሃስዩ ወገናት፡ ከምኡ’ውን ደገፍ ናውቲ ትምህርቲ ንተመሃሮን ካልእን፡ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ’ቶም ዜጋታት ውጽኢታዊ ምንባሩ፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ በሪሁ።
ኣብ’ቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ዝተረኽበሉ ርክብ፡ ኩነታት ዕዮን ሽቕለትን፡ በብጽላቱ ዝተኻየዱ ንጥፈታትን ውጽኢቶምን ዝግምግም ዘተ እውን ተኻዪዱ።
ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ እዮብ ኪዳነ፡ ኣብ ገለ ንኡሳን ዞባታት ዘሎ ሃጓፋት ዓቕሚ-ሰብን መሳለጥያን ክማላእ ተላብዩ።
ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብ፡ ንጥፈታት ማሕበራዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ውሕስነትን ካብ ቀንድን ኣገደስትን መደባት መንግስቲ ኤርትራ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ እቲ ሚኒስትሪ ኣድማዕነት ኣሰራርሓኡ ክብ ንምባል፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ኣተኲሩ ይነጥፍ ከምዘሎ ሓቢራ።