ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ደቡብ፡ ብ17 ሓምለ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ናይ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንጥፈታቱ ገምጊሙ።
እቲ ክፍሊ ኣብ ገምጋሙ፡ ጥብ ዝበለት ማይ ንምዕቃብን ኣከባቢ ንምርጋእን፡ ኣብ 4 ሽሕ ሄክታር፡ ብዕዙዝ ኮማዊ ተሳትፎ ዕዉት ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምእተተግበረ፡ ኣብ ሓሙሽተ ንኡሳን ዞባታት ድማ ብቸሜንቶ 9 ከትርታት ከምእተሰርሐ ገሊጹ።
ዋና ዳይረክተር ናይ’ቲ ክፍሊ ኣቶ የማነ ኣባይ፡ ኣብ ክልተ ንኡሳን ዞባታት – 1889 ሓረስቶት ዝተሳተፉዎ ጥሙር ሕርሻ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ – ኣብ 443 ሄክታር ከም እተተግበረ፡ ንጥፈታት ምርባሕ ናይ ጸባ ከብትን ምስባሕን ግና፡ ብሰንኪ ስእነት መግቢ እናኣንቈልቈለ ይመጽእ ከምዘሎ ኣብሪሁ።
ኣቶ የማነ ብተወሳኺ፡ ሓረስቶት ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታቶም ዝተፈላለየ ኣርእስቲታት ኣልዒሎም ዝመያየጡለንን ተመኵሮ ዝለዋወጡለንን ኣብያተትምህርቲ – ኣብ 131 ምምሕዳራት ከባቢ ቈይመን ከምዘለዋ ብምሕባር፡ ተሪፈን ዘለዋ ምምሕዳራት ከባቢ ተመሳሳሊ ስጒምቲታት ክወስዳ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ’ቲ ገምጋም፡ ንልምዓት ብቚሊ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ሃብቲ ጥሪት፡ ከምኡ’ውን ልምዓት ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ሰፊሕ ዘተ ተኻዪዱ።
ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ሕጽረታት ንምፍታሕ፡ ኣብ ምሕደራ ጥራይ ዘይኮነ ስነ-ፍልጠታዊ መፍትሒታት ኣብ ምንዳይን፡ ዝርጋሐ ምንጪ ማያት ብግቡእ ኣብ ምጽናዕን ክስራሕ ድሕሪ ምዝኽኻር፡ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል፡ መደባት ክታበት ብኣድማዕነት ክትግበር ኣተሓሳሲቡ።