ብ20 ሓምለ ብኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ዝተኸፍተ መበል 18 ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ብምዕሩግ ስነ-ስርዓት ተዛዚሙ።
ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል፡ ባህላዊ መሰናድኦታት፡ ሰሚናር ብዛዕባ ህሉው ኩነታት፡ ቊሸት ምህዞታትን ትካላትን. . . ቀሪቡ።
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ እቲ ፈስቲቫል፡ ኣብ ቅንያት ጽምብል ዝኽሪ ብሩራዊ እዮቤልዩ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምክያዱ፡ ድምቀቱ፡ መልእኽቱን ዘሰክሞ ሓላፍነትን ብኣኡ መጠን ከምዝጥመት ገሊጹ።
ኣቶ የማነ ገብረኣብ ንተሳተፍቲ ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን ዞባዊ ምዕባለታትን፡ ከምኡ’ውን ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ መደባት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
ናብ’ዚ በጺሕናዮ ዘሎና ብሩህ መጻእን ሰላምን ዘሰጋገረ – ሰፊሕ ህዝባዊ መኸተን ተወፋይነትን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ንዘርኣዮ መኸተን ዘመዝገቦ ዓወትን “ዮሃና” ኢሉ።
መስርሕ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ፈጢሩዎ ዘሎ ትስፉው መጻኢን ኣብ ዝምልከት፡ ኣብ’ዚ ዘብቅዓና ሓድነትና፡ ጽንዓትና፡ ውዳበና፡ ተወፋይነትናን ናጻ መስመርናን ከምዝኾነ ኣረዲኡ። ነዚ ክብሪታት’ዚ ኰስኲስናን ኣራቢሕናን፡ ኣብ ቅድሜና ንዝጽበየና ብድሆታት ብዓወት ከምእንሰግሮ ዘጠራጥር ከምዘየለ ድማ ኣገንዚቡ።
ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል ድማ፡ ንኣካየድቲ ማሕበር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ብቑዕ ምሕደራን መሪሕነትን፡ ኣብ ኣተገባብራ መደባት ስራሕን ካልእን ኣስተምህሮ ሂባ።