“ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ብዝብል ቴማ ብ12 ሓምለ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወትን ኣብ ከተማ ጊሰን ዝተኸፍተ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን፡ ብ14 ሓምለ ምስ ምሉእ ድምቀቱ ተዛዚሙ።

እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ፈስቲቫል፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ዜጋታትን መሓዙት ኤርትራ ወጻእተኛታትን ክሳተፉዎ እንከለዉ፡ ንዓበይትን መንእሰያትን ኣብ ግምት ብዘእተወ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት፡ እዋናዊ ሰሚናራትን ሞያዊ ኣስተምህሮታትን፡ ከምኡ’ውን ኣዘናጋዒን መሃሪን መደባት ቈልዑን መንእሰያትን ማዕሪጉ ቀንዩ።

ናይ ክብሪ ዕዱማት – ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወትን፡ ንተሳተፍቲ – ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገር፡ ዞባዊ ምዕባለታትን መጻኢ ኣመታቱን ከምኡ‘ውን ኣብ ቊጠባዊ ኩነታትን መጻኢ መደባትን ዘተኰረ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም።

ሚኒስተር ዑስማን፡ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ኩሉ ዓይነት ተጻብኦታት፡ ብሓያል ጽንዓትን መኸተን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ከምእተሳዕረ ድሕሪ ምብራህ፡ ኩሉ ኣብ ደገ ዘሎ ኤርትራዊ ኣምባሳደር ሃገሩ ስለዝኾነ፡ ዓቕሚታቱ ኣወሃሂዱን ውዳበታቱ ኣሐዪሉን ሃገራዊ መደባት መኸተን ልምዓትን ንምድንፋዕ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መዳያት ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ፡ ትሕተ-ቅርጺ መጐዓዝያን ምኽዛን ማይን ንዝግበር ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ ብዝምልከት እውን መብርሂ ዝሃበ ሚኒስተር ዑስማን፡ ኣብ ህንጻ ጽርግያታት ተጀሚሩ ዘሎ ዘተባብዕ ስራሕ – ብዝሰፍሐ መልክዑ ክቕጽል ምዃኑ፡ ጉዳይ ምኽፋት ዶባት ምስ ኢትዮጵያ ድማ፡ ሕጋዊ ቅጥዕታት ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ብዛዕባ ቁጠባ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ዝሃበ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት ብወገኑ፡ ቀዳምነት ተሰሪዑ ዘሎ ወፍሪ ኣብ ሕርሻ ምዃኑ፡ እቲ ዕላማ ድማ ውሕስነት መግቢ ኣረጋጊጽካ፡ ብዓይነትን ብዝሕን ንሰደድ ቅሩብ ንምዃን ከምዝኾነ ገሊጹ። እቲ ናይ ወፍሪ ዕድል ቀዳምነት ንኤርትራውያን ከምዝኾነ ድማ ኣነጺሩ።

“ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘየጕድል ወፍሪ ረብሓ የብሉን። ስለ’ዚ ወፍርና ብቐንዱ፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘኻዕብት ክኸውን ኣለዎ” ዝበለ ኣቶ ሓጐስ፡ ነዚ ዝሕግዝ ዘመናዊ ናይ ባንክ ኣጠቓቕማን ካልእ ኣገልግሎታትን ንምትእትታው ይስራሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

Categories