ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብግብሪ ዝተሰነየ ናይ ስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ ትምህርቲ ዝቐሰማ፡ 27 ጽጉማት ኣለይቲ ስድራ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብ9 ሓምለ ተመሪቐን።

ኣብ’ቲ ሰነ-ስርዓት፡ እቲ ንነፍሲ-ወከፈን ወርሓዊ 400 ናቕፋ እናተኸፍለ ዝተሰላሰለ መደብ፡ ኣካል ናይ’ቲ ዓቕሚታት ደቂ-ኣንስትዮ ብምምዕባል ቊጠባዊ ኩነታተን ንምምሕያሽ ዝካየድ ጻዕሪ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ንነፍሲ-ወከፈን ንስራሕ ዘበግሰን 20 ሽሕ ናቕፋ – ወለድ ዘይብሉ ልቓሕ ከም እተፈቕደለን ተሓቢሩ።

ሰልጠንቲ፡ ዝቐሰማኦ ትምህርትን ንስራሕ ዘበግሰን ልቓሕን ተጠቒመን፡ መነባብሮአን ንምልዋጥ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ምዃነን ገሊጸን።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ካብ 2015 ንደሓር፡ ኣስታት ሓደ ሚእቲ መንእሰያት፡ ብሞያ ማእለማ፡ ምርባሕ ንህብን ደርሁን ከምኡ’ውን ብጽባቐ ጸጒሪ ርእሲ ከምዘሰልጠኑ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢራ።

Categories